ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሰነ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ

የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሰሪዑሎም እዩ። ንኣብነት፡ መውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዚግበር ነባሪ ጥምረት ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ማቴ 19:4-6, 9) ንዅሉ ዓይነት ምንዝርና ድማ ይዅንኖ እዩ። (1ቈረ 6:9, 10) ብዘይካዚ፡ ንህዝቡ ኻብ ካልኦት ዚፈልዮም ንኣከዳድናን ንኣመለኻኽዓን ዚምልከት ስርዓታት ኣዳልዩሎም እዩ።—ዘዳ 22:5፣ 1ጢሞ 2:9, 10

ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ይነጽግዎ እዮም። (ሮሜ 1:18-32) ኣከዳድናኦምን ኣመለኻኽዓኦምን ኣካይዳኦምን በቲ ብብዙሓት ቅቡል ዝዀነ ኣረኣእያ ኺጽሎ ይፈቕዱ እዮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቶም ብግህዶ እዮም ዚፍጽምዎ፡ ነቶም ብስርዓታት ኣምላኽ ዚነብሩ ድማ ይነቕፍዎም።—1ጴጥ 4:3, 4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀነና፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብትብዓት ክንድግፎ ኣሎና። (ሮሜ 12:9) ብኸመይ፧ የሆዋ ዚቕበሎ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እንታይ ምዃኑ ንሰባት ብሜላ ኸነፍልጦም ይግብኣና። ግናኸ፡ ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክንዕቅብ የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ‘ምርጫይ ስርዓታት የሆዋ ድዩ ዜንጸባርቕ ወይስ ስርዓታት ዓለም፧ ኣከዳድናይን ኣመለኻኽዓይን ከም ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ክርስትያን ድዩ ዜፍልጠኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ሓደ መደብ ክንርኢ ወይ ፊልም ክንርኢ ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ‘የሆዋ ነዚ መደብ እዚ ይሰምሮ ድዩ፧ ናይ መን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዩ ዜጕልሕ፧ ንምዝንጋዕ ዝገብሮ ምርጫ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታተይ የዳኽሞ ድዩ፧ (መዝ 101:3) ንኣባላት ስድራ ቤተይ ወይ ንኻልኦት መዐንቀፊ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።—1ቈረ 10:31-33

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ምድጋፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንኣህዛብን ንዅሉ እከይን ኬጥፍኦ እዩ። (ህዝ 9:4-7) እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ጥራይ ኪተርፉ እዮም። (1ዮሃ 2:15-17) ስለዚ እምበኣር፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ንተሓለቐሉ፡ ሰባት ድማ ነቲ ጽቡቕ ኣካይዳና ርእዮም ንኣምላኽ የሞግስዎ።—1ጴጥ 2:11, 12

ኣብ ኣከዳድናይን ኣብ ኣመለኻኽዓይን ዝገብሮ ምርጫ፡ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታተይ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ብስርዓታት የሆዋ ኽትምራሕ ጥበብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ወለዲ ንውሉዳቶም ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኪምህርዎም ኪጅምሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • ሰባት ካብ ሕያውነት ኣምላኽ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧