ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሰነ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ

ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ

ምስባኽ ከቢዱካ ይፈልጥዶ፧ መብዛሕትና ነዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ኢልና ኢና እንምልሳ። ስለምንታይ፧ ኣብ ክልና ንዕቀትን ጽልእን ብተደጋጋሚ የጋጥመና ይኸውን፡ ወይ ድማ ንዘይንፈልጦ ሰብ ምዝራብ የፍርሃና ይኸውን። ሓቂ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ሓጐስና ኼጥፍኣልና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ብሓጐስ ከነገልግሎ ዚደልየና ሕጉስ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። (መዝ 100:2፣ 1ጢሞ 1:11) ኣብ ስብከት ከም እንሕጐስ ዚገብረና ሰለስተ ጽቡቕ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

ቀዳማይ፡ እቲ እንእውጆ መልእኽቲ ተስፋ ዝሓዘ እዩ። ዋላ እኳ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ተስፋ ብርቂ እንተ ዀነት፡ ንሕና ግና ንልቢ ሰባት ብ“ዝሓሸ ብስራት” ክንመልኦ ንኽእል ኢና። (ኢሳ 52:7) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዓና እውን ብሓጐስ ኪመልኣና ይኽእል እዩ። ክትሰብኽ ቅድሚ ምውጻእካ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እተምጽኦ በረኸት ኣስተንትን።

ካልኣይ፡ እቲ እንሰብኮ ብስራት፡ ንሰባት ኣካላውን መንፈሳውን ጥቕሚ የምጽኣሎም እዩ። ጐዳኢ ኻብ ዝዀነ ልምድታት ኪርሕቑ ይምሃሩ፣ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ይህልዎም። (ኢሳ 48:17, 18፣ ሮሜ 1:16) ኣብ ሓደጋ ንዘለዉ ሰባት ከነድሕን ነናዲ ኸም ዘለና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ኪድሕኑ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቶም ኪድሕኑ ዚደልዩ ኻብ ምንዳይ ግና ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና።—ማቴ 10:11-14

ሳልሳይን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ድማ፡ ዕዮ ስብከትና ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ። የሆዋ ንዕዮ ስብከትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ኢሳ 43:10፣ እብ 6:10) ብዘይካዚ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ነቲ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ሓጐስ ኪህበና ንለምኖ። (ገላ 5:22) ሳላ ሓገዙ ድማ ንጭንቀትና ኽንዋጽኣሉን ብድፍረት ክንሰብኽን ንኽእል ኢና። (ግብ 4:31) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ክልና ዜጋጥመና ምላሽ ብዘየገድስ፡ ክንሰብኽ ካብ እተዋህበና መዝነት፡ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።—ህዝ 3:3

ኣብ ኣገልግሎት ኪህልወካ እትደልዮ ኣመለኻኽታ ኣየናይ እዩ፧ ሓጐስ ከተንጸባርቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነታ ከም ቀደምካ ኽትሕጐስ፡ ኣጽንዕን ኣስተንትንን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ወወርሒ ንምስባኽ ብዙሕ ሰዓታት ነሕልፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ንልማድ መንፈሳዊ ኣመጋግባና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንማርያም ክንመስላ ዘለና በየናይ መገድታት ኢና፧

  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ንምስትንታን ግዜ ኽትምድብ ዘሎካ መዓስ ኢኻ፧

  • ብስራት ክትሰብኽ ከለኻ ሓጐስ ዜምጽኣልካ እንታይ እዩ፧