ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሓንቲ ሓብቲ ግዜ ብምምዳብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢባ ተስተንትን

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሰነ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ! ንምብርካትን ብዛዕባ ውህበት ህይወት ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ቃል የሆዋ ብዅሉ ዝርዝር ይፍጸም

እቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ስዕረትን ውድቀትን ባቢሎን እተነበዮ ንጹር ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ተፈጸመ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘላትካ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

እያሱ ኻብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዘተስፈዎ ተስፋታት ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት ኣረጋጊጹ እዩ። ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ንዘላትና እምነት ብኸመይ ከነደልድላ ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ምጽባይ ክንጻወር ይሕግዘና

ኤርምያስ ከቢድ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዙ ኺጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥም ጸገማት ክንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ህዝቅኤል መልእኽቲ ኣምላኽ ተሓጒሱ ይእውጅ

የሆዋ ብራእይ ኣቢሉ ንህዝቅኤል ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ ሃቦ፡ ኪበልዓ ድማ ነገሮ። ህዝቅኤል ነታ ጥቕልልቲ ምብላዑ እንታይ ትርጉም ነበሮ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣሸጋሪ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ተሓጒስና ኸነገልግሎ እዩ ዚደልየና። ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ዕዮ ደስ ኢሉና ኽንዓይዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ኪግበረልካ ድዩ፧

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ጥንታዊት የሩሳሌም ምስ ጠፍአት እዩ ፈለማ ተፈጺሙ። ዘመናዊ ፍጻመኡ ብኸመይ ይጸልወና፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ደግፍ

ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኣምላኽ ብትብዓት ክንድግፎ ኣሎና። ብኸመይ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧