ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሰነ 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 45-51

የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ኣይንዕቆምን እዩ

የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ኣይንዕቆምን እዩ

ነብዪ ናታን ንዳዊት፡ ምስ ባትሴባ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ምስ ሓበሮ እዩ ዳዊት ንመዝሙር 51 ጽሒፉዋ። ዳዊት ሕልናኡ ረበሾ፣ ብትሕትና ድማ ሓጢኣቱ ተኣመነ።—2ሳሙ 12:1-14

ዳዊት ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ኺሓዊ ይኽእል ነበረ

51:3, 4, 8-12, 17

  • ዳዊት ቅድሚ ምንዛዙን ምንሳሑን፡ ሕልናኡ ረበሾ

  • ስምረት ኣምላኽ ብምስኣኑ፡ ልክዕ ኣዕጽምቱ ኸም እተሓምሸሸ ሰብኣይ ተሰቀየ

  • ይቕረ ኺብሃለሉን ብመንፈሳዊ መገዲ ኺሓውን ነቲ ቕድም ዝነበሮ ሓጐስ ኪምለሰሉን ሃረር በለ

  • ዳዊት ንየሆዋ እዙዝ ልቢ ኼማዕብል ምእንቲ ኺሕግዞ ብትሕትና ለመኖ

  • የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለሉ ይተኣማመን ነበረ