ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ማልታ፡ ኣስፋሕቲ ትራክትታት ተጠቒሞም የገልግሉ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሰነ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

መጽሔት ንቕሑ!ን ትራክትታትናን ንምብርካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር

ነቲ ኣብ መዝሙር 37 ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ዕየየሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቪድዮታት ተጠቒምካ ምሃር

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ቪድዮታትና ኽንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንኣመሃህራና ሰሓቢ ዚገብሮኸ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንዝሓመሙ ይድግፎም

እቲ ኣብ መዝሙር 41 ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዳዊት፡ ነቶም ሎሚ ሕማም ወይ ጸበባ ዜጋጥሞም ዘሎ እሙናት ኣገልገልቲ ኼበርትዖም ይኽእል እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ኣይንዕቆምን እዩ

ዳዊት ኣብ መዝሙር 51፡ እቲ ኸቢድ ሓጢኣቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጐድኦ ገለጸ። ብመንፈሳዊ መገዲ ንኺሓዊ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት

ነዘን ሕቶታት ተጠቒምካ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 1914 ኣትሒዛ እንታይ ከም ዝዓመመት ተመያየጥ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ”

እቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 55፡22 ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦ ምኽሪ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ጸገምን ጭንቀትን ዜተሓሳስበና ነገርን ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ”

ዳዊት ንየሆዋ ቓሉ ስለ ዝሃቦ ወዲስዎ እዩ። ንኣጸጋሚ ዅነታት ክትዋጽኣሉ ዝሓገዛኻ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየኖት እየን፧