ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  መስከረም 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ንንጹህ ኣምልኾ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

ንንጹህ ኣምልኾ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚምለስ ዜተስፉ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንጹህ ኣምልኾ ‘ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ጸኒዑ’ ኣሎ። ንሕና ድማ ካብቶም ናብኡ ዚውሕዙ ዘለዉ ኣህዛብ ኢና። (ኢሳ 2:2) ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ኽትፈልጦን ከተገልግሎን ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰል ኣዘውቲርካ ተስተንትን ዲኻ፧

ካብ ንጹህ ኣምልኾ ዚርከብ በረኸት፦

  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ዚምልስ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ ምግቢ፣ ኣብ ህይወትና እንምርሓሉ ግብራዊ ስርዓታት፣ እተረጋገጸ ተስፋ።—ኢሳ 48:17, 18፣ 65:13፣ ሮሜ 15:4

  • ፍቕሪ ዝዓሰሎ ዓለምለኻዊ ሕውነት።—መዝ 133:1፣ ዮሃ 13:35

  • ኣብ ዜዕግብ ዕዮ መዓይይቲ ኣምላኽ ብምዃን ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል።—ግብ 20:35፣ 1ቈረ 3:9

  • ኣብ ግዜ ጸበባ ዜጸናንዓና “ሰላም ኣምላኽ።”—ፊል 4:6, 7

  • ንጹህ ሕልና።—2ጢሞ 1:3

  • ምስ የሆዋ ዘሎና “ናይ ቀረባ ዕርክነት።”—መዝ 25:14

ንንጹህ ኣምልኾ ኣኽቢረ ኸም ዝርእዮ ብኸመይ ከርኢ እኽእል፧