ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  መስከረም 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ንየሆዋ ወትሩ ኼገልግልዎ፡ ኣሰልጥኖም

ንየሆዋ ወትሩ ኼገልግልዎ፡ ኣሰልጥኖም

ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ወትሩን ብቕንኣትን ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ብኣጋኡ እንተ ደኣ ሰልጢኖም፡ ውጽኢታውያን ኣስፋሕቲ ኸም ዚዀኑ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። (ምሳ 22:6፣ ፊል 3:16) ተምሃራይካ ጸቡቕ ልማድ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼጥሪ ብኸመይ ክትሕግዞ ኸም እትኽእል ዚሕብር ርእይቶታት እንሆ፦

  • ተምሃራይካ ኣስፋሒ ኪኸውን ምስ ተፈቐደሉ፡ ብኡብኡ ኸተለማምዶ ጀምር። (km 8/15 1) ንኣገልግሎት ኣገዳሲ ኽፋል ሰሙናዊ ንጥፈታቱ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣጕልሓሉ። (ፊል 1:10) ብዛዕባ ዞባኹም ሓሳብ ክትህብ ከለኻ፡ ኣወንታዊ ኹን። (ፊል 4:8) ካብ ተመክሮኦም ምእንቲ ኺጥቀም፡ ምስ ሓላው ጕጅለኹምን ምስ ካልኦት ኣስፋሕትን ሓቢሩ ኼገልግል ኣተባብዓዮ። —ምሳ 1:5km 10/12 6 ¶3

  • ሓደ ተምሃራይ ምስ ተጠምቀ፡ ብፍላይ ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እንተ ዘይወዲእዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምስልጣኑን ካብ ምትብባዑን ድሕር ኣይትበል።—km 12/13 7

  • ምስ ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ክትዓዪ ኸለኻ፡ ቀሊል ኣቀራርባ ተጠቐም። ንኣቀራርባኡ ምስ ሰማዕካዮ፡ ንኣዶ። ዝያዳ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚሕግዞ ርእይቶታት ሃቦ።—km 5/10 7