ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሕዳር 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ መጽሓፍ ዮናስ ዚርከብ ትምህርቲ

ካብ መጽሓፍ ዮናስ ዚርከብ ትምህርቲ

የሆዋ ንትምህርትና ኢሉ ታሪኽ ህይወት እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቃሉ ኸም ዝጸሓፍ ገይሩ እዩ። (ሮሜ 15:4) ካብ መጽሓፍ ዮናስ እንታይ ተማሂርካ፧ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት፦ ዮናስ—ካብ ምሕረት የሆዋ ተምሃር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብዛ ቪድዮ ኸም ዝረኣኻዮ፡ እቶም ሰለስተ ኣስፋሕቲ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧

  • ተግሳጽ ምስ ዚውሃበና ወይ ድማ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ምስ እንስእን፡ መጽሓፍ ዮናስ ብኸመይ ከተተባብዓና ትኽእል፧ (1ሳሙ 16:7፣ ዮና 3:1, 2)

  • ዛንታ ዮናስ፡ ኣብ ክልና ብዛዕባ ዘለዉ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዮና 4:11፣ ማቴ 5:7)

  • ሕዱር ሕማም ምስ ዜጋጥመና ተመክሮ ዮናስ ኬጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዮና 2:1, 2, 7, 9)

  • ካብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምስትንታንን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እንታይ ተማሂርካ፧