ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሓምለ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣፍ ደገ እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይ

ኣብ ኣፍ ደገ እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይ

ክርስትያናት ‘ንዓለም ምርኢት’ እዮም። (1ቈረ 4:9) ስለዚ፡ ገሊኦም ሰብ ቤት ብመስኮት ተቐልቂሎም እንተ ረኣዩና ወይ ኣብ ማዕጾ ተጸጊዖም እንተ ሰምዑና ዜገርም ኣይኰነን። እታ ቤት ንሓለዋ ዚጠቅም ካሜራ ዀነ ነቲ ብዓል ቤት ኪዕዘብን ኪሰምዕን ኪቐድሕን ዚሕግዞ መጕልሒ ድምጺ ኺህልዋ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተርእዮ ዚግባእ ጽቡቕ ጠባይ እስከ ንርአ።—2ቈረ 6:3

ብጠባይካ (ፊል 1:27)፦

  • እቲ ብዓል ቤት ከም እተዳፈርካዮ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖ፡ ናብ ቤቱ ተቕልቂልካ ኣይትጠምት። ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ፡ ኣይትብላዕ፡ ኣይትስተ፡ ወይ ከኣ ተሌፎን ኣይትደውል ወይ መልእኽቲ ኣይትስደድ

ብኣዘራርባኻ (ኤፌ 4:29)፦

  • ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ፡ እቲ ብዓል ቤት ኪሰምዖ ዘይትደልዮ ነገር ኣይትዛረብ። አረ ገሊኦም ኣስፋሕትስ፡ ብዛዕባ ዚዛረብዎ ነገር ሓሳባቶም ምእንቲ ኺጥርንፉ፡ ብሕም ከይብሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም

ኣብ ኣፍ ደገ ኸተርእዮ ኻብ እትኽእል ጽቡቕ ጠባይ እንታይ ካልእ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧