ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሓምለ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ ሞት ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧

ጥቕሲ፦ ራእ 21:4

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ጥቕሲ፦ 1ዮሃ 5:19

ሓቂ፦ ሰይጣን ድያብሎስ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧

መፋለጢ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ስድራ ቤተይ ሕጕስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧’ ንዝኣመሰለ ሕቶታት ዚምልስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ይምህሩ እዮም። እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንመርሕ ትገልጽ። [ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።] ነዛ ሕታም እዚኣ ንምይይጥ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። [ንሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ እንጥቀመሉ ሕታማት ኣርእዮ፣ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርእዮ።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።