ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሓምለ 2016

 ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓደ ዓመት ክትፍትኖ ትኽእልዶ፧

ንሓደ ዓመት ክትፍትኖ ትኽእልዶ፧

እንታይ ኢኻ ኽትፍትን፧ ስሩዕ ፈላሚ ምዃን። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢኻ ኽትረክብ!—ምሳ 10:22

ፈላሚ ምስ እትኸውን፡ ነዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ክኢላ ወንጌላዊ ትኸውን፡ ኣብ ኣገልግሎትካ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ

  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ይድልድል። ብዛዕባኡ ንኻልኦት ዝያዳ ብእተዛረብካ መጠን፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ዝያዳ ትዘኻኸር

  • ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብካን ጥቕሚ ርእስኻ ሰዊእካ ንኻልኦት ብምግልጋልካን፡ ሓጐስን ዕግበትን ትረክብ።—ማቴ 6:33፣ ግብ 20:35

  • ኣብ እዋን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ምስ ፈለምቲ ኣብ ዚግበር ኣኼባን ምስ ኣኼባ ወረዳ ተተሓሒዙ ኣብ ዚግበር ፍሉይ ኣኼባን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ንምክፋል ኣጋጣሚ ትረክብ

  • መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ክትመርሕን ዝያዳ ኣጋጣሚ ትረክብ

  • ከማኻ ምስ ዝኣመሰሉ ሰበኽቲ ግዜ ተሕልፍ፡ ንሓድሕድኩም ከኣ ትተባብዑ።—ሮሜ 1:11, 12