ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ካመሩን፡ ሓንቲ ኣስፋሒት ቈጽሊ ሻሂ ንእትቕንጥብ ሰበይቲ ብስራት ተበስራ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሓምለ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ብሮሹር ብስራት ኣምላኽን ንምብርካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ነቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ወድሶ

ንኣምላኽ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ ምእንቲ ኽትሕሉ ኽትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ብየሆዋ ኸም እትእመን ኣብ ጸሎትካ ኽትገልጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (መዝሙር 61-65)

ክርስትያናዊ ህይወት

ቀሊል ናብራ ምንባር ንኣምላኽ ክንውድሶ ይሕግዘና

ናብራኻ ምቕላል እንታይ ክትገብር ይሕግዘካ፧ ንናብራ ህይወት የሱስ ክትቀድሖ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ህዝቢ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ኣለዎም

ካብቲ ዳዊት ዝነበሮ ቕንኣት እንታይ ንምሃር፧ ቅንኣትና እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧ (መዝሙር 69-72)

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓደ ዓመት ክትፍትኖ ትኽእልዶ፧

እቶም ዚፍትንዎ በረኸት ዘለዎ ዜዕግብ ህይወት ይረኽቡ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መደብ ስሩዕ ፈላምነት

ድሩት ግዜ ወይ ዓቕሚ ዘለዎም ገሊኦም ኣሕዋት እውን ስሩዓት ፈለምቲ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጥካ ኼገርመካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ግብርታት የሆዋ ዘክር

ግብርታት የሆዋ እንታይ የጠቓልል፧ ብዛዕባኡ ምስትንታንና ዚጠቕመናኸ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 74-78)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧

ጸሓፊ መዝሙር 83፡ የሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርእዩ። ንሕናኸ ነዚ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧