ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ለካቲት 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ!

ሕቶ፦ መንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ሕዱር ጭንቀት፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር። ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እንታይ ኪግበር ይከኣል ትብል፧

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ መንእሰያት ንሕዱር ጭንቀት ብኸመይ ኪጻወርዎ ኸም ዚኽእሉን ወለዶም ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉን እተወሰነ ሓሳባት ትህብ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ ሓዳር ዜሐጕስ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

ጥቕሲ፦ ኤፌ 5:33

ሓቂ፦ ኣብ ፍቕርን ኣኽብሮትን እተመስረተ ሓዳር ይድልድል።

ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (lf)

ሕቶ፦ ‘ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧’ ዚብልን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ሕቶታትን ምስ ዚልዓል፡ እምነትና ኣብ ምንታይ ክትምስረት ኣለዋ ትብል፧

ጥቕሲ፦ እብ 11:1፡ እ.ጽ.

መፋለጢ፦ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ እግረ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ፡ እምነትና ኣብ “ዜእምን መርትዖ” ኽንምስርታ ጥበባዊ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚገልጽ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታትን እንታይ ዜእምን መርትዖ ኸም ዘሎን ትገልጽ።

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።