ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ለካቲት 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣስቴር 1-5

ኣስቴር ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

ኣስቴር ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

ኣስቴር ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ እተሓለቐትሎም እዋን ፍሉይ እምነትን ትብዓትን ኣርኣየት

  • ከይተጸዋዕካ ናብ ንጉስ ምእታው ሞት ኬስዕብ ይኽእል ነይሩ። ኣስቴር ድማ ን30 መዓልቲ ናብ ንጉስ ኣይተጸውዐትን እያ ነይራ

  • እቲ ዘርክሲስ ቀዳማይ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣዝዩ ቝጡዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን ንኻልኦት መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ክልተ ኪቝረጽ ኣዚዙ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዋሽቲ ንዕኡ ብዘይምእዛዛ ኻብ ንግስነታ ኣውሪዱዋ እዩ

  • ኣስቴር ኣይሁዳዊት ከም ዝዀነት ክትገልጽ ነይርዋ፣ ነቲ ንጉስ ድማ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ ኸም ዘታለሎ ኸተእምኖ ነይርዋ