ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ለካቲት 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 9-11

እሙናት ኣምለኽቲ ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ይድግፉ

እሙናት ኣምለኽቲ ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ይድግፉ

ህዝቢ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብእተፈላለየ መገድታት ብፍታዎም ደጊፎምዎ

10:28-30, 32-39፣ 11:1, 2

  • እቶም ህዝቢ፡ በዓል ዳስ ብቕኑዕ መገዲ ኼብዕሉ ተዳለዉን ኣብዓሉን

  • እቶም ህዝቢ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኪንበብ ከሎ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ይእከቡ ነበሩ፣ በዚ ድማ ይሕጐሱ ነበሩ

  • እቶም ህዝቢ ሓጢኣቶም ተነስሑ፡ ጸለዩ፡ የሆዋ ኺባርኾም ድማ ለመኑ

  • እቶም ህዝቢ ንዅሉ ቲኦክራስያዊ ስርዓታት ብቐጻሊ ንምድጋፍ ተሰማምዑ

ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ብቐጻሊ ምድጋፍ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል ነበረ፦

  • ንየሆዋ ዜምልኹ ጥራይ ምምርዓው

  • ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባር

  • ሰንበት ምኽባር

  • ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ዕንጨይቲ ምቕራብ

  • በዅሪ ፍርያትን በዅሪ መጓሰን ንየሆዋ ምሃብ