ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት

 መዝሙር 150

ንሓግዝ

ንሓግዝ

ኣራግፍ

(ማቴዎስ 9:37, 38)

  1. ያህ ይፈልጥ ዜድልየና፡

    ሓጐስ ደስታ ዜምጽኣልና፣

    ኪሰልጠና ኣገልግሎት፡

    ይሰርዓልና መገድታት።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።

  2. ብዙሕ ዕዮ ኣሎ ገና፡

    ’ሞ ንሓግዝ ብዓቕምና፣

    እወ፡ ነርኢ ኸም ’ንሓሊ፡

    ንሸፍኖ ዅሉ ኽሊ።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።

  3. ዚህነጽ’ውን ምስ ኣድለየ፡

    ሻማ ሻማ ኢልና ንዕየ፣

    ሓድሽ ቋንቋ ተማሂርና፡

    ነበስሮም ተዓጢቕና።

    (ኣዝማች)

    ተጊህና ነገልግል፡

    ኣምላኽ ኪውደስ፣

    ሓገዝ ንዜድልዮም፡ ንሓግዝ፡

    ሃየ ንለግስ።