ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት

 መዝሙር 149

ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

ኣራግፍ

(ሉቃስ 22:20)

  1. ሎሚ፡ የሆዋ

    እነና ኣብ ቅድሜኻ፡

    ኣርኢኻና ኢኻ’ሞ

    መስተንክር ፍቕርኻ።

    ፍቑር ወድኻ’ውን

    ሰዊእካ ስለና፡

    መወዳድርቲ ዘይብሉ

    ውህበት ሂብካና።

    (ኣዝማች)

    በጃ ዀይኑ ንሓርነት፡

    ደሙ ሂቡ ንናጽነት።

    ልባዊ ምስጋና

    ይብጻሕካ ኦ ወሃብ ህይወት።

  2. ብፍቓዱ የሱስ

    ከፊሉ ህይወቱ፡

    ብፍቕሪ ተደሪኹ

    ምእንታና ሞይቱ።

    ብዘይ ተስፋ ንነብር

    ኔርና ኣብ ጸልማት፡

    ሕጂ ግን ክንብሎ

    ኢና ደሓን ኩን ንሞት።

    (ኣዝማች)

    በጃ ዀይኑ ንሓርነት፡

    ደሙ ሂቡ ንናጽነት።

    ልባዊ ምስጋና

    ይብጻሕካ ኦ ወሃብ ህይወት።