ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ዘምሩሉ—ሓድሽ መዝሙራት

 መዝሙር 148

ሓደ ወድኻ ሂብካ

ሓደ ወድኻ ሂብካ

ኣራግፍ

(ዮሃንስ 15:13)

  1. የሆዋ፡ ኣቦና፡

    ብዘይ ተስፋ ኔርና፣

    ሳላ ’ቲ በጃ ግን፡

    ተስፋ ረኺብና።

    ህይወትናን ጥሪትናን፡

    ብሉጽና ሂብናካ፣

    ክንነግር’ውን ኢና፡

    ’ቲ ሰናይ ግብርኻ።

    (ኣዝማች)

    ሓደ ወድኻ’ኳ

    ምእንታና ሂብካ፣

    ንዘልኣለም ንዝምር

    ስለቲ ኽቡር ህያብካ።

  2. ለውሃትካ፡ ምሕረትካ፡

    ድንቂ’ዩ ባህርያትካ፣

    ንፈትዎ’ውን ኢና፡

    ’ቲ ዓብዪ ስምካ።

    ሓለፋ እዚ ግን፡

    ሂብካ ኽቡር ውህበት፣

    ምእንታና ሞይቱ፡

    ክንነብር ብህይወት።

    (ኣዝማች)

    ሓደ ወድኻ’ኳ

    ምእንታና ሂብካ፣

    ንዘልኣለም ንዝምር

    ስለቲ ኽቡር ህያብካ።

    (መዛዘሚ)

    የሆዋ ኣቦና፡ ምስጋና ይብጻሕካ፣

    ብፍቕሪ ሂብካና ነቲ ሓደ ወድኻ።

(ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9 እውን ርአ።)