ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’

 መዝሙር 98

ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ

ኣውድዮ ሕረ
ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

(2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17)

  1. 1. ቃል ኣምላኽ ይህብ’ዩ ብርሃን፣

    ነእጋርና’ውን ይመርሐን።

    ’ተ ሓሊናዮ ተጊህና፡

    ሓቂ ሓራ ተውጽኣና።

  2. 2. ካብ ኣምላኽ’ዩ ’ቲ ቓላቱ፣

    ይገልጸልና መልእኽቱ።

    ንሰናይ ይድርኸና፣

    ተግሳጽ ሂቡ የቕንዓና።

  3. 3. በዚ ጽሑፋት’ዚ ጌርና፡

    ፍቕሪ ኣምላኽ ፈሊጥና።

    ንመርምሮ ዕለት ዕለት፣

    ክንረክብ’ውን ኢና ህይወት።

(መዝ. 119:105፣ ምሳ. 4:13 እውን ርአ።)