ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’

 መዝሙር 91

መርኣያ ፍቕሪ እዩ ዕዮና

ኣውድዮ ሕረ
መርኣያ ፍቕሪ እዩ ዕዮና
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

(መዝሙር 127:1)

  1. 1. ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡

    ስማዕ’ባ ነዚ ጸሎትና።

    ብቓላት ዘይግለጽ

    ክብርን ሞገስን ሂብካና።

    ባሪኽካዮ ዕዮና፡

    ዝሃነጽናዮ በእዳውና፡

    መርትዖና እዩ፡ መርኣያ፡

    ’ወ ናይ ፍቕርና።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ዓብዪ ኽብሪ’ዩ፡

    ቤትካ ኽንሃንጽ ምኽኣልና።

    ትምኒትና’ዩ ኽንውድሰካ ለይትን ቀትርን፡

    ከነቕርብ ኣምልኾና።

  2. 2. ደስ ኢልዎ ልብና፣

    ተራኺብና ምስ ኣሕዋትና፣

    ክንደይ ባህ ዜብል’ዩ፡ ዜሐጕስ፡

    ተዘክሮና!

    ንመንፈስካ ርኢና፡

    ኣብ ዕዮና፡ ኣብ ሕብረትና፣

    ንስምካ ኣምጺእና ውዳሰ፡

    በዛ ዓቕምና።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ዓብዪ ኽብሪ’ዩ፡

    ቤትካ ኽንሃንጽ ምኽኣልና።

    ትምኒትና’ዩ ኽንውድሰካ ለይትን ቀትርን፡

    ከነቕርብ ኣምልኾና።