ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’

 መዝሙር 147

ተስፋ ህይወት ዘለኣለም

ኣውድዮ ሕረ
ተስፋ ህይወት ዘለኣለም
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

(መዝሙር 37:29)

  1. 1. ተስፋ ናይ ዘልኣለም ህይወት፡

    ተዋሂቡ ንሰባት፣

    ንምድሪ ኺወርስዋ’ዮም፡

    ዓቃላት፡ ትሑታት።

    (ኣዝማች)

    ዘልኣለም ንምንባር፡

    ካብ ልብና ንጽዓር፣

    ዘተስፈዎ ዅሉ፡

    ሓቂ’ዩ ቓሉ።

  2. 2. ኪብጻሕ’ዩ ፍጽምና፣

    ኪርከብ’ዩ ሓርነት፣

    ምድሪ ሰላም ኬምጽኣላ፡

    ናይ የሆዋ ግዝኣት።

    (ኣዝማች)

    ዘልኣለም ንምንባር፡

    ካብ ልብና ንጽዓር፣

    ዘተስፈዎ ዅሉ፡

    ሓቂ’ዩ ቓሉ።

  3. 3. ሰባት ካብ ሞት ምስ ተንስኡ፡

    ኣይኪህሉን’ዩ ብኽያት፣

    ኣምላኽ ኪሓልየሎም እዩ፣

    ኪደርዝ’ውን ንብዓት።

    (ኣዝማች)

    ዘልኣለም ንምንባር፡

    ካብ ልብና ንጽዓር፣

    ዘተስፈዎ ዅሉ፡

    ሓቂ’ዩ ቓሉ።