ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’

 መዝሙር 123

ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

ኣውድዮ ሕረ
ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

(1 ቈረንቶስ 14:33)

  1. 1. ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ህዝቢ የሆዋ፡

    ብዛዕባ መንግስቱ፡ ብዛዕባ ራህዋ፣

    ስርዓት ቲኦክራሲ ይስዕቡ ዅሎም፣

    እሙናት ህዝቢ’ዮም ሓደ ዝልቦም።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ኣምላኽ ዚግብኦ’ዩ

    ተገዛእነትና፣

    ይሕብሕበና፡ የማዕቍበና፡

    እሙናት እንተ ዄንና።

  2. 2. ኣምላኽ ይመርሓና ብቕዱስ ቃሉ፣

    ብእሙን መጋቢ፡ ብንጡፍ ሓይሉ።

    ሃየ’ሞ ባህ ነብል ልቢ ኣምላኽና፣

    ብተኣማንነት እናሰበኽና።

    (ኣዝማች)

    የሆዋ ኣምላኽ ዚግብኦ’ዩ

    ተገዛእነትና፣

    ይሕብሕበና፡ የማዕቍበና፡

    እሙናት እንተ ዄንና።

(ሉቃ. 12:42፣ እብ. 13:7, 17 እውን ርአ።)