ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’

 መዝሙር 121

ርእስና ኽንገትእ ኣሎና

ኣውድዮ ሕረ
ርእስና ኽንገትእ ኣሎና
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

(ሮሜ 7:14-25)

  1. 1. ፍቕሪ የሆዋ እኳ ’ተ ’ሎና፣

    ርእስና ኽንገትእ ግን የድልየና።

    ትምኒት ስጋ የፍሪ ህውከት፣

    መንፈስ ኣምላኽ ግን ይህብ ህይወት።

  2. 2. ወትሩ ድያብሎስ ይፍትነና፣

    ’ቲ ድኹም ስጋና ይዋግኣና።

    ሓቂ ሒዝና ነሰንፍ ሓጥያት፣

    ሳላ የሆዋ’ውን ንዕወት።

  3. 3. ቃልና፡ ግብርና ኣለዎ ጽልዋ፣

    ኬሞግስ ይኽእል ንስም የሆዋ።

    ሸቶ ነውጽእ፡ ነሕድር ድሌት፡

    ወትሩ ኸነርኢ ርእሰ ግትኣት።