ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ቍ. 3 2017

 ገበር | ኣርባዕተ ፈረሰኛታት—ምግላቦም ብኸመይ ይጸልወካ፧

እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧

እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧

እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታይነቶም ዘይፍለጥን ዜርዕዱን ኪመስሉ ይኽእሉ እዮም፣ ብሓቂ ግና ከምኡ ኣይኰኑን። ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ እተራእየ ፍጻመታትን፡ ነፍሲ ወከፍ ፈረሰኛ ንምንታይ ከም ዜመልክት ብንጹር ከነለሊ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምግላብ እዞም ፈረሰኛታት ኣብ ምድሪ መዓት ከም ዚመጽእ ዚሕብር እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ብስራት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ፈለማ፡ እንታይነት ነፍሲ ወከፍ ፈረሰኛ ንመርምር።

እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ

እቲ ራእይ ከምዚ ብምባል ይጅምር፦ “ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣ እናሰዓረስ ኪስዕር ድማ ወጸ።”—ራእይ 6:2

እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ መን እዩ፧ መንነቱ ኣብዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ንረኽቦ ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጸኒሓ ነዚ ኣብ ሰማይ ዚጋልብ ፈረሰኛ፡ “ቃል ኣምላኽ” ኢላ ጸዊዓቶ ኣላ። (ራእይ 19:11-13) እዚ፡ ቃል ዚብል መዓርግ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ ዜመልክት፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ዜገልግል። (ዮሃንስ 1:1, 14) ብዘይካዚ፡ “ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን” ከምኡ ድማ “እሙንን ናይ ሓቅን” ብዚብል መግለጺታት ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 19:11, 16) ተዋጋኢ ንጉስ ኪኸውን ስልጣን ከም ዘለዎ፡ ንሓይሉ ኸኣ ብብልሹውን ንኻልኦት ብዚሃስን መገዲ ኸም ዘይጥቀመሉ ንጹር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገለ ሕቶታት ይልዓል እዩ።

ንየሱስ ኪስዕር ስልጣን ዚህቦ መን እዩ፧ (ራእይ 6:2) ነብዪ ዳንኤል፡ እቲ ብ“ወዲ ሰብ” እተመሰለ መሲሕ፡ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ኪውሃቦ ኸሎ ብራእይ ረኣየ፣ ነዚ ዝሃቦ ድማ እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ተባሂሉ እተገልጸ የሆዋ ኣምላኽ * እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) ስለዚ እምበኣር፡ ንየሱስ ኪገዝእን ፍርዲ ኺፍጽምን፡ ስልጣንን መሰልን ዝሃቦ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ጻዕዳ ፈረስ፡ ነቲ ብወዲ ኣምላኽ ዚካየድ ፍትሓዊ ውግእ ዚገልጽ ብቑዕ ምልክት እዩ፣ ከመይሲ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ ንጻዕዳ ሕብሪ ኸም ምልክት ጽድቂ ይጥቀመሉ እዩ።—ራእይ 3:4፣ 7:9, 13, 14

እቶም ፈረሰኛታት ኪጋልቡ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧ እቲ ቐዳማይ ፈረሰኛ ዝዀነ የሱስ፡ ምግላብ ዝጀመረ ኣኽሊል ድሕሪ ምቕባሉ ኸም ዝዀነ ኣስተብህል። (ራእይ 6:2) የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኣኽሊል ዝደፍአ መዓስ እዩ፧ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ሽዑ የሱስ ኪጽበ ዝጀመረሉ ግዜ እዩ። (እብራውያን 10:12, 13) የሱስ ንሰዓብቱ፡ እዚ ናይ ምጽባይ ግዜ ዜብቅዓሉን ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ዚጅምረሉን ግዜ ኼለልዩ ዚሕግዞም ምልክት ሃቦም። ኪገዝእ ምስ ጀመረ፡ ኵነታት ዓለም ኣዝዩ እናኸፍአ ኪኸይድ ምዃኑ ነገሮም። ውግእን ጥሜትን ለበዳን ኪህሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11) ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ፡ ደቂ ሰብ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ፡ ጽንኩር ግዜ ዚርኣየሉ መዋእል ከም ዝኣተዉ ንጹር ኰነ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ካብቲ የሱስ ብ1914 ኣኽሊል እተቐበለሉ እዋን ኣትሒዙ ግና፡ ኵነታት ኣብ ክንዲ እናተመሓየሸ ዚኸይድ፡ እናገደደ ኪኸይድ እንርኢ ዘለና ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ምኽንያት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ሰማይ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ኺገዝእ ስለ ዘይጀመረ እዩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ውግእ ኰነ፣ እቲ ሚካኤል ተባሂሉ እተጸውዐ፡ ሓድሽ እተሸመ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ከኣ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ደርበዮም። (ራእይ 12:7-9, 12) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እዚ ኣብ ከባቢ ምድሪ ጥራይ ተሓጺሩ ዚርከብ ሰይጣን፡ ሓጺር ግዜ ተሪፍዎ ኸም ዘሎ ስለ ዚፈልጥ ኣመና ተቘጢዑ እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሰይጣን ብምጥፋእ፡ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኺፍጽም እዩ። (ማቴዎስ 6:10) ሕጂ እምበኣር፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ፈረሰኛታት፡ ብሓቂ ኣብቲ ጽንኵር ዝዀነ “ዳሕሮት መዓልትታት”  ንነብር ከም ዘሎና ብኸመይ ከም ዜረጋግጹልና ንርአ። እቲ ቐዳማይ ፈረሰኛ ንሓደ ውልቀ ሰብ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ስዒቦም ዝመጹ ሰለስተ ፈረሰኛታት ግና ነቲ ንመላእ ሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ ዝጸለወ ዓለምለኻዊ ዅነታት እዮም ዜመልክቱ።

እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ

“ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ።”—ራእይ 6:4

እዚ ፈረሰኛ እዚ ንውግእ የመልክት። ንሰላም ካብ ሒደት ሃገራት ዘይኰነስ፡ ካብ መላእ ምድሪ ኸም ዜርሕቓ ኣስተብህል። ብ1914 ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዓለምለኻዊ ውግእ ተባርዐ። እቲ ዝያዳ ኣዕናዊ ዝነበረ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ስዒቡ መጸ። ብመሰረት ገሊኡ ጸብጻባት፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ብሰንኪ ውግኣትን ብረታዊ ግጭታትን ብድምር ልዕሊ 100 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም! ካልኦት ብዙሓት ውልቀ ሰባት ድማ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም እዩ።

ውግእ ኣብ ግዜና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን፡ ደቂ ሰብ ንዅሎም ሰባት ኬጽንቱ ዜኽእሎም ዓቕሚ ዘለዎም እዩ ዚመስል። ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ዓቀብቲ ሰላም ዚብሃላ ውድባት እውን ከይተረፋ፡ ነዚ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ ደው ኬብላኦ ኣይከኣላን።

እቲ ኣብ መጋል ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ

“ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ ‘ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ’ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 6:5, 6

እዚ ፈረሰኛ እዚ ንጥሜት የመልክት። ብመቝነን ዚውሃብ ምግቢ ኣዝዩ ኻብ ምውሓዱ እተላዕለ፡ ዋጋ ሓደ ኮይኒክስ (0.7 ኪ.ግ.) ስርናይ ሓደ ዲናር ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ነይሩ! (ማቴዎስ 20:2) ስገም ካብ ስርናይ ኣትሕት ኣቢልካ ዚርአ እኽሊ ብምንባሩ ድማ፡ በዚ ሰልዲ እዚ፡ ሰለስተ ኮይኒክስ (2.1 ኪ.ግ.) ስገም ኪዕደግ ይከኣል ነይሩ። እዝስ ንሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ንኽንደይ ዚኣክል እዋን እዩ ኺዕንግላ ዚኽእል፧ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንምግቢ ዚኸውን ቀንዲ ፍርያት ስለ ዝነበረ፡ በዚ ጽቡቕ መግለጺ እዚ ኣቢሉ ሰባት ንዕለታዊ ምግቢ ዚኸውን ነገራት ቈጢቦም ኪጥቀሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ካብ 1914 ንነጀው፡ እዚ ኣብ መጋል ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ ይጋልብ ከም ዘሎ ዜረጋግጸልና መርትዖ ርኢና ዲና፧ እወ! ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 20 ዘመን፡ ኣስታት 70 ሚልዮን ሰባት ብጥሜት ሞይቶም እዮም። ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ “ካብ 2012-2014 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 805 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ዳርጋ ሓደ ኻብ ትሽዓተ ኻብ ብዝሒ ዓለም፡ ብሕጽረት እተመጣጠነ ምግቢ ተሳቕዮም እዮም።” ካልእ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ ድማ፡ “ካብ ጠቕላላ ድምር እቶም በብዓመቱ ብሕማም አይድስን ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ዚሞቱ፡ እቶም ብጥሜት ዚሞቱ ይበዝሑ።” ንዝጠመዩ ንምዕንጋል ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ እቲ ኣብ መጋል ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ ምግላቡ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብ ጨላይ ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ

“ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብነዊሕ ሰይፍን ብጥሜትን ብመቕዘፍትን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንርብዒ ምድሪ ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።”—ራእይ 6:8

እቲ ራብዓይ ፈረሰኛ፡ ብለበዳን ብኻልእ ምኽንያታትን ንዚስዕብ ሞት የመልክት። ድሕሪ 1914 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ቀተለ። ኣስታት 500 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተጠቒዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ፡ ሽዑ ብህይወት ካብ ዝነበሩ ሰባት ዳርጋ 1 ኻብ 3 ማለት እዩ።

ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ግና መጀመርታ ጥራይ እዩ ነይሩ። ክኢላታት ከም ዚግምትዎ፡ ኣብ መበል 20 ዘመን ኣማእታት ሚልዮናት ሰባት ብሕማም በዲዶ ሞይቶም እዮም። ጽዑቕ ሕክምናዊ ምርምር እናተገብረ ኽነሱ፡ ሕማም አይድስን ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ዕምሪ ሚልዮናት ሰባት የሕጽር ኣሎ።

ውግእ፡ ጥሜት ወይ ለበዳ፡ መወዳእታኡ ሞት እዩ ዜስዕብ። መቓብር ድማ ጸጊበ ኸይበለን ዝዀነ ተስፋ ኸይሃበን ነዞም ግዳያት ይእክቦም ኣሎ።

 ዝሓሸ ግዜ ይመጽእ ኣሎ!

እዚ ሎሚ ዘሎ ግዜ ጭንቂ፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኬብቅዕ እዩ። የሱስ ብ1914 ‘ኪስዕር ምስ ወጸ’ ንሰይጣን ኣብ ከባቢ ምድሪ ሓጺርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ምሉእ ብምሉእ ምስዓር ወዲኡ ማለት ከም ዘይኰነ ኣስተብህል። (ራእይ 6:2፣ 12:9, 12) ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ የሱስ ኣብ ኣርማጌዶን ደገፍቲ ድያብሎስ ንዝዀኑ ደቂ ሰብን ንጽልዋ ሰይጣንን ኬጥፍእ እዩ። (ራእይ 20:1-3) የሱስ ንምግላብ እቶም ሰለስተ ፈረሰኛታት ደው ኬብሎ ጥራይ ዘይኰነስ ንሳዕቤናት እቲ ኣዕናዊ ምግላቦም እውን ኬወግዶ እዩ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ እስከ ርአ።

ኣብ ክንዲ ውግእ፡ ሰላም ኪሰፍን እዩ። የሆዋ፡ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ።” (መዝሙር 46:9) እቶም ሰላም ዚፈትዉ ድማ ‘ብብዝሒ ሰላም ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።’—መዝሙር 37:11

ኣብ ክንዲ ጥሜት፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኺህሉ እዩ። “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16

ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ የሱስ ንሳዕቤናት እቶም ሰለስተ ኻልኦት ፈረሰኛታት ኬወግዶ እዩ

ኣብ ክንዲ ለበዳን ሞትን፡ ኵሎም ሰባት ፍጹም ጥዕና ሃልይዎም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዚህሉ ዅነታት ከመይ ከም ዚመስል ባህ ዜብል መርኣያ ኣቕሪቡ እዩ። ሰላም ኣተባቢዑ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣሽሓት መጊቡ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ።—ማቴዎስ 12:15፣ 14:19-21፣ 26:52፣ ዮሃንስ 11:43, 44

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምግላብ እቶም ፈረሰኛታት ኬብቅዕ ከሎ ኸመይ ጌርካ ድሉው ኴንካ ኽትጸንሕ ከም እትኽእል ተሓጒሶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኼርእዩኻ ይኽእሉ እዮም። ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ ንዚቐርበልካ ዕድመ ኽትቅበሎ ዲኻ፧

^ ሕ.ጽ. 7 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።