ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2017

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዘመንና ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፡ ወይስ ገና ጠቓሚ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ . . . ዚጠቅም እዩ” ይብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ተጕልሕ፣ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ኽትጥቀም ዚሕግዝ ርእይቶታት ድማ ተቕርብ።

 

ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የድሊ፧

ሚልዮናት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባቦም ብኸመይ ተጠቒሞም፧

ከመይ ገይረ ኽጅምር እኽእል፧

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ቐሊልን ባህ ዜብልን ዚገብሮ ሓሙሽተ ርእይቶታት።

ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ተክኖሎጅን ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን እተፈላለየ ኣቀራርባታትን ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ሰሓቢ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ኬመሓይሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ዜደንቕ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።

ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!

ኢቮን ኵዋሪ ሓደ እዋን፡ ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧’ ኢላ ሓተተት። እቲ ዝረኸበቶ ምላሽ ድማ ንህይወታ ቐየሮ።

‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’

ስድራ ቤት እትኣሊ ወይ ከኣ ቅኑዕ ምዃኑ ንእትኣምነሉ ነገር ጽኑዕ መትከል ኪህልወካ እትቃለስ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ካብ እምነት ሄኖክ ብዙሕ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ግጉይ ምርዳእ ኪህልወካ የብሉን። እሞኸ ብኸመይ ኢኻ ኽትርድኦ እትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጠንቂ መከራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መከራ ብኸመይ ከም ዜብቅዕ እውን ይገልጽ እዩ።