ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መስከረም 2015

 ገበር | ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈን ዚጠቅምን’ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ክንመርሕን ብዛዕባ ፈጣሪ ኽንመሃርን ዚሕግዘና ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ መጽሓፍ ጌርና ኢና እንቕበሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስኻ፡ ጐይታ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” ይብል። (መዝሙር 83:18) ስለዚ ድማ ኢና ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እነምልኽን ከም መሰኻኽሩ መጠን ንብሕታዊ ስሙ ኸነፍልጥ እንጽዕርን።—ኢሳይያስ 43:10-12

ከም ክርስትያናት መጠን፡ የሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” * ምዃኑን ናብ ምድሪ መጺኡ መሲሕ ከም ዝዀነን ኢና እንኣምን። (ዮሃንስ 1:34, 41፣ 4:25, 26) የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። (1 ቈረንቶስ 15:3, 4) ጸኒሑ ኸኣ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ። (ራእይ 11:15) እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ መንግስቲ ዀይና ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። (ዳንኤል 2:44) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:11, 29

“መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ይዛረቦም ከም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ናብራኦም ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ መፍትሒ ንምርካብ ቃል ኣምላኽ እዮም ዚምርምሩ። . . . ንዕኦም ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ።”—ቤንጃሚን ቸራያት ዚብሃል ናይ ካቶሊክ ቀሺ፡ ጋዜጣ ሙንስተርላንዲሽ ቮልክስዜይቱንግ፡ ጀርመን

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን እንተዀነ ንሰባት ኪጠቕሞም ከም ዚኽእል እዮም ዚኣምኑ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ስለዚ ድማ ኢና ነዚ ስርዓታት እዚ ጠቢቕና እንስዕቦ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኵሉ እቲ ንኣእምሮናን ንኣካላትናን ዚምርዝ ነገራት ክንርሕቕ ስለ ዜጠንቅቐና፡ ሽጋራ ኣይነትክኽን፡ ወይ ሓሽሽ ኣይንወስድን ኢና። (2 ቈረንቶስ 7:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ከም ስኽራንን ጾታዊ ርኽሰትን ስርቅን ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እተዀነነ ተግባራት ንርሕቕ ኢና።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ጥራይ ብቐጥታ ብየሆዋ ስለ እተፈጥረን መጀመርታ ፍጥረት ስለ ዝዀነን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “ሓደ ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ እውን ይጽውዖ እዩ።—ዮሃንስ 3:18፣ ቈሎሴ 1:13-15

ብዝያዳ ፍለጥ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

15 መሰረታዊ እምነታትና ርአ።