ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ሓምለ 2015

ንጭንቀት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እተፈላለየ ሓደጋን ቅልውላውን የጋጥሞም እዩ፣ ገሊኣቶም ግና፡ ክንድቲ ኻልኦት ዚጭነቕዎ ብዘይ ምጭናቕ ነዚ ይዋጽእሉ እዮም። ብኸመይ፧

ጭንቀት—ኣብ ኵሉ ቦታ

መጽናዕትታት ከም ዚገልጾ፡ ፈኲስ ጭንቀት እውን እንተ ዀነ ነቲ ቕድሚ ግዜኻ ናይ ሙማት ተኽእሎ የዛይዶ እዩ። ንጭንቀት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ

ዋላ እኳ ዋጋታት እቲ መሰረታዊ ነገራት ናብ ቢልዮናት እንተ ደየበ፡ ሓደ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ኺናቢ ኸኣለ።

ብዛዕባ ስድራ ቤት ምጭናቕ

ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ዜጋጠማ ጥልመት፡ ብኸመይ ከም እተፋትሐት፡ ጸገማት እናኣጋጠማ ብኸመይ ክትነብር ከም ዝኸኣለት፡ ከምኡ እውን እምነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ብኸመይ ከም እተማህረት ዚገልጽ ታሪኽ።

ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ

ንውግእን ዓመጻን ብከላን ለውጢ ኽሊማን ለብዕን ብኸመይ ኢኻ ኽትዋጽኣሉ እትኽእል፧

ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት

ስቲቨን ማክዱወል ኣዝዩ ቝጡዕ መንእሰይ እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ እቲ ንሱ ዘይፈጸሞ ገበን፡ ህይወቱ ኸም ዚቕይር ገበሮ።

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና፧

እቲ መልሲ ኣብ ህይወት እቶም ከቢድ ጌጋታት ዝገበሩ እዮብን ሎጥን ዳዊትን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ መጥሓን ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ እታ “ሕቝፊ” እትብል መግለጺት ንምንታይ እያ እተመልክት፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

እከይ ዚጠፍኣሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧