ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ግንቦት 2015

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

መዓልቲ ፍርዲ እተሐጕስ መዓልቲ እትኸውን ስለምንታይ እያ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንምድሓን መሳፍንቲ ወይ ፈረድቲ ይጥቀም ነበረ። (መሳፍንቲ 2:18) መዓልቲ ፍርዲ፡ እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዜድሕነላ እተሐጕስ መዓልቲ ኸም ዝዀነት እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ።መዝሙር 96:12, 13፣ ኢሳይያስ 26:9 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንህያዋንን ንምዉታትን ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ንየሱስ ሸይምዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ 17:31) ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ከይፈለጡ እዮም ሞይቶም። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን፡ የሱስ ኬተንስኦም እዩ።ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።

መዓልቲ ፍርዲ ንሽሕ ዓመት እትቕጽል ስለምንታይ እያ፧

ኣብተን ሽሕ ዓመት፡ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። (ራእይ 20:4, 12) መገድታት ኣምላኽ ንኺመሃሩን ንኺእዘዝዎን ድማ፡ ግዜ ኼድልዮም እዩ። ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚብልዎ ዘይኰነስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብመሰረት እቲ ድሕሪ ትንሳኤኦም ዚገብርዎ ነገራት ከም ዚፍረዱ እዩ ዚገልጽ።ሮሜ 6:7 ኣንብብ።

ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልቲ ፍርዲ፡ እተን ሽሕ ዓመት ቅድሚ ምጅማረን ብሃንደበት ከም እትመጽእ እዩ ዚገልጽ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓንቀጻት እዛ ሕታም እዚኣ እተገልጸ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ‘መወዳእታ’ ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም እኩያትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎምን ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7) ስለዚ እምበኣር፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና።2 ጴጥሮስ 3:9, 13 ኣንብብ።