ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ግንቦት 2015

 ገበር

መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

ኣምላኽ፡ ሰባት ንሓድሕዶም እናተጨቛቘኑን ንመጻኢ ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ እናእተዉን ኪቕጽሉ ይፈቅድ ድዩ፧ ኣይፋልን። ከምቲ ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ነቲ ንዘመናት ዝቐጸለ ሕሰምን ግፍዕን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። እዚ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ እናቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ይደልየካ እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ፍልጠት እዚ ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧

ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ፦ ብማኪና ኽትጐዓዝ ከለኻ፡ ፈለማ ካርታታትን ናይ ጽሑፍ መምርሒታትን ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ሓበሬታታትን ትውከስ ትኸውን። እቲ ኣብ ጕዕዞኻ እትርእዮ ምልክታት ምስቲ እተወከስካዮ መምርሒታት ዚሰማማዕ ኰይኑ ምስ እትረኽቦ፡ ናብቲ ኽትበጽሖ ዝደለኻዮ ቦታ እናቐረብካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ትተኣማመን ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ብቓሉ ገይሩ ነቲ ጕሉሕ ዓለምለኻዊ ምልክታት ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኣገዳሲ ምልክታት ኪፍጸም ክንርኢ ኸለና፡ ናብ መወዳእታ እናቐረብና ንኸይድ ከም ዘሎና ርግጸኛታት ኢና እንኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ዓለምና ናብ ፍሉይን ኣዝዩ ወሳንን ግዜ ኸም ዚበጽሕ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኸኣ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኸም ዜምርሕ ይገልጽ እዩ። እዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብ እተራእየ ብእተፈልየ መገዲ፡ እተወሃሃደ ዓለምለኻዊ ፍጻሜታትን ኵነታትን ዜጋጥመሉ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ ዚርከብ ገሊኡ ምልክታት እስከ ንርአ።

1. ዓለምለኻዊ ህውከት፦ እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ፍጻመታት ዜጠቓልል ብዙሕ መዳያት ዝሓቘፈ ምልክት ይገልጽ እዩ። እዚ ምልክት እዚ፡ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ዚሕብርን ናብቲ ‘መወዳእታ ዚመጸሉ’ ግዜ ዚመርሕን እዩ። (ፍቕድታት 3, 14) ገለ ኻብቲ መዳያት እቲ ምልክት ድማ ዓበይቲ ውግኣት፡ ጥሜት፡ ኣብ በቦታኡ ዜጋጥም ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ምብዛሕ ጥሕሰት ሕጊ፡ ፍቕሪ ዘይምህላው፡ ከምኡ እውን መራሕቲ ሃይማኖት ንሰባት ንምስሓት ዚገብርዎ ስዉር ጻዕርታት ዜጠቓልል እዩ። (ፍቕድታት 6-26) ልክዕ እዩ፡ ብእተወሰነ መዳይ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ንዘመናት ኬጋጥም ዝጸንሐ እዩ። ይኹን እምበር፡ መወዳእታ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ እዚ ዅሉ ፍጻመታት ኣብ ሓደ ሽግር ዝመልኦ መዋእል ብሓንሳብ እዩ ዜጋጥም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምስዚ ቐጺሉ ዘሎ ሰለስተ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ተተሓሒዙ እዩ ዚመጽእ።

2. ባህርይ ሰባት፦ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ማለት እቲ ናብ መወዳእታ ዚመርሕ ግዜ፡ በቲ ኣዝዩ እናኸፍአ ዚኸይድ ባህርይ ሰባት ከም ዚልለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ስግንጢር፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ [ኪዀኑ እዮም።]” (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) ሓቂ እዩ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣኽብሮት ዘይምርኣይ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርይ ኣብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃኡ ዚበጽሕን እቲ መዋእል ድማ “ጽንኩር ግዜ” ኺብሃል ዚከኣልን ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ጥራይ እዩ። ነዚ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ባህርይ ሰባት ኣስተብሂልካሉዶ፧

3. ምጥፋእ ምድሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም’ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 11:18) ሰባት ንምድሪ በየናይ መገድታት እዮም ዜጥፍእዋ፧ እቲ ኖህ ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ እውን በዚ ዚስዕብ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት፡ . . . ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረአያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።” ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ብልሹው ሕብረተሰብ ኣመልኪቱ፡ “ከጥፍኦም እየ” በለ። (ዘፍጥረት 6:11-13) ምድርና ብዓመጻ እናመልአት ትኸይድ ከም ዘላ ዜርኢ ሓያሎ መርትዖታት ኣስተብሂልካዶ፧ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኽ እዮም በጺሖም ዘለዉ። ሎሚ ንዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ብምጽናት ቃል ብቓሉ ንምድሪ ናይ ምጥፋእ ዓቕምን ኣጽዋርን ኣለዎም። ምድርና ብኻልእ መገዲ እውን ትጠፍእ ኣላ። እቲ ንህይወት ዚድግፍ ስርዓታት፡ ማለት እቲ እነስተንፍሶ ኣየር፡ ናይ እንስሳታትን  ኣትክልትን ኢኮሲስተም ከምኡ እውን ውቅያኖሳት ብሰንኪ ሕማቕ ሰብኣዊ ምምሕዳር ቀስ ብቐስ እናተበላሸወ ይኸይድ ኣሎ።

‘ቅድሚ ሓደ ዘመን፡ ደቂ ሰብ ንምልእቲ ምድሪ ናይ ምጥፋእ ሓይሊ ነይርዎምዶ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ። ሎሚ ግና ደቂ ሰብ፡ እተራቐቐ ኣጽዋራት ንኬኻዕብቱን ኣከባቢ ንኼዕንዉን ዜኽእሎም ሓይሊ ኣማዕቢሎም ኣለዉ። ሰባት ኣብ ተክኖሎጂ ቕልጡፍ ዕቤት የርእዩ እኳ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ብእኡ ዚመጽእ ሳዕቤናት ግና ኺርድእዎን ኪቈጻጸርዎን ኣሸጊርዎም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ መጻኢ ምድርና ሰባት ዚውስንዎ ወይ ዚቈጻጸርዎ ኣይኰነን። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህይወት ቅድሚ ምጽናቱ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ። እዚ እዩ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ!

4. ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት፦ ካልእ ክፋል እቲ ብትንቢት እተነግረ ምልክት መወዳእታ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕዮ ኸም ዚዕየ እዩ ዚገልጽ። እቲ ትንቢት፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ይብል። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ናይ ስብከት ወፈራ እዚ፡ ካብቲ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንዘመናት ዚኣክል ኪገብራኦ ዝጸንሓ ናይ ስብከት ዕዮ ኣዝዩ እተፈልየ ትርጉም እዩ ዘለዎ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ሓደ ፍሉይ መልእኽቲ ኺጐልሕ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ “ብስራት መንግስቲ” እዩ። ነዚ ፍሉይ መልእኽቲ እዚ እተጕልሕ ጕጅለ ሃይማኖት ትፈልጥዶ፧ ዋላ እኳ ገሊአን ነዚ መልእኽቲ እዚ ዚሰብካ እንተ መሰላ፡ ነዚ ብስራት ኣብ ከባቢአን ጥራይ ድየን፡ ወይስ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም” እየን ዚዝርግሓኦ፧

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ብኣማእታት ዚቝጸር ቋንቋታት ይስበኽ ኣሎ

እታ www.jw.org እትብሃል ወብ ሳይት ኣብዚ “ብስራት መንግስቲ” እያ እተተኵር። ነዚ መልእኽቲ እዚ ዚገልጽ ጽሑፋት ድማ ብልዕሊ 700 ቛንቋ ተቕርብ። ብጀካ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ስፍሓት ንምብጻሕ ተበግሶ ዝወሰደት ካልእ ውድብ ትፈልጥዶ፧ ኢንተርነት ቅድሚ ምጅማሩ እውን እንተዀነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት ንምዝርጋሕ ብዚገብርዎ ጻዕሪ እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ካብ 1939 ኣትሒዙ፡ ገበር ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ” ዚብል እዩ። ብዛዕባ ሃይማኖታት እትገልጽ ሓንቲ መጽሓፍ፡ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ብጻዕቁን ብስፍሓቱን መዳርግቲ ዘይብሉ” ኸም ዝዀነ ገለጸት። እዚ ምስክርነት እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብእትወስዶ ስጕምቲ፡ “መወዳእታ ኺመጽእ” ምዃኑ ዚገልጽ ብስራት እዩ።

ኣብ ታሪኽ ዓለምና እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ግዜ

ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ ኣርባዕተ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት፡ ኣብ ግዜና ይፍጸም ከም ዘሎስ ኣስተብሂልካሉዶ፧ እዛ መጽሔት እዚኣ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዚኣክል፡ ኣንበብታ ናብ መወዳእታ ንቐርብ ከም ዘለና ምእንቲ ኺርድኡ፡ ብዛዕባ ፍጻመታት ዓለም ዚገልጽ ሓበሬታ ኸተቕርበሎም ጸኒሓ እያ። ርግጽ እዩ ገሊኦም ተጠራጠርቲ፡ ሓቅታትን ስታቲስቲክስን  ንዓኻ ብዚጥዕምን ብውሕልነትን ኪቐርብ ከም ዚኽእል ብምግላጽ ምስዚ መርትዖታት ኣይሰማምዑን እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኵነታት ዓለም እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዚመስል፡ ዓለምለኻዊ መራኸቢታት ይውስኽ ብምህላዉ ጥራይ ምዃኑ ይዛረቡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ብዙሕ መርትዖታት እዩ ዘሎ።

ገሊኦም ክኢላታት፡ ኣብዛ ምድርና ዓበይቲ ለውጥታት ዜጋጥመሉ ግዜ እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ እዮም ሓሳብ ዚህቡ። ንኣብነት ብ2014፡ ቦርድ ስነ ፍልጠትን ጸጥታን ኣብታ ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ዘርእስታ መጽሔት፡ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህላወ ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ኣጠንቀቖ። እዞም ሊቃውንቲ እዚኦም ከምዚ ብምባል ተኣመኑ፦ “እቲ ብዛዕባ ኣስጋኢ ነገራት ብጥንቃቐ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ብተክኖሎጂ ዚመጽእ ዕንወት ንህላወ ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታው ተኽእሎኡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከም ዝበጽሐ ኽንድምድም እዩ ዜገድደና።” ብዙሓት ሰባት ኣብ ታሪኽ ዓለምና ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ግዜ በጺሕና ኸም ዘለና እዮም ዚኣምኑ። ኣሕተምቲ እዛ መጽሔትን ብዙሓት ካብ ኣንበብታን፡ እዚ ኣዝዩ ፍሉይ ግዜ እዚ፡ ብሓቂ ዳሕሮት መዓልታት ከም ዝዀነን መወዳእታ ድማ ከም ዝቐረበን ኣይጠራጠሩን እዮም። ይኹን እምበር ንመጻኢ ኣብ ክንዲ እትፈርሆ፡ በቲ ውጽኢት ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኻብቲ ኣብ መወዳእታ ዚህሉ ጥፍኣት ክትድሕን ትኽእል ኢኻ።