ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መጋቢት 2015

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሞት የሱስ ክንዝክሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሞት የሱስ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚርከብ እዩ ዚገብር፧—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24

ሞት የሱስ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ እዩ፣ የሱስ ንሰብኣዊ ህይወት ናብቲ ዝነበሮ ፍጽምና ንምምላስ እዩ ሞይቱ። ሰብ፡ ሕማቕ ነገራት ናይ ምግባር ዝንባለ ዘለዎን ዚሓምምን ዚመውትን ኰይኑ ኣይተፈጥረን። (ዘፍጥረት 1:31) እንተዀነ ግና፡ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ማለት ኣዳም፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ። የሱስ ድማ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኼድሕነና ህይወቱ ሃበ።ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 6:23 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንወዱ ምእንታና ንኺመውት ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ኣርኣየ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቅጫን ወይንን ገይሮም ብሕጽር ዝበለ በዓል ንሞቱ ኺዝክርዎ ኣዘዞም። ዓመት ዓመት ነዚ በዓል እዚ ምብዓልና ነቲ የሆዋን የሱስን ዜርኣዩና ፍቕሪ፡ ሞሳና እንገልጸሉ መገዲ እዩ።ሉቃስ 22:19, 20 ኣንብብ።

ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም መን እዮም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሞቱ ኺዝክሩ ኺነግሮም ከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ኺዳን ወይ ስምምዕ ተዛረበ። (ማቴዎስ 26:26-28) እዚ ድማ ንዕኦምን ውሱን ቍጽሪ ንዘለዎም ካልኦትን ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንሞት የሱስ ዜብዕልዎ እኳ እንተዀኑ፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ግና እቶም ኣብቲ ኺዳን እቱዋት ዚዀኑ ጥራይ እዮም።ራእይ 5:10 ኣንብብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 2000 ዓመት፡ የሆዋ ነገስታት ንዚዀኑ ሰባት ኪሓሪ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃስ 12:32) እዚኣቶም፡ ምስቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ኺነጻጸሩ ኸለዉ ብቑጽሪ ሒደት እዮም።ራእይ 7:4, 9, 17 ኣንብብ።

 

ብዝያዳ ፍለጥ

ዝኽሪ ሞት የሱስ

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኬብዕሉ ዓመት ዓመት ይእከቡ እዮም። እዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ ብኸመይ ኪጸልወካ ኸም ዚኽእል ክትምሃር ተዓዲምካ ኣለኻ።

እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ

በጃ እንታይ እዩ፧ ንዓኻኸ ብኸመይ ይጠቕመካ፧