ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ለካቲት 2015

 ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዮሴፍ

“እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”

“እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”

ዮሴፍ ኣብቲ ዓቕልኻ ዜጽብብ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ሃለኽለኽ ኪብል ስለ ዝወዓለ፡ ረሃጹ ጥብጥብ እናበለ በቲ ጸልማት ኮሪደር ይኸይድ ነበረ። ጸሓይ ግብጺ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ብደገ ኸም እቶን ተርስኖ ነበረት። ዮሴፍ ኣብቲ መናድቕ ንዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብን ነቓዕን ዚፈልጦ እዩ ዚመስል ነይሩ። ህይወቱ ኸኣ ኣብዚ እተሓጽረት እያ ነይራ። ንሱ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣኽቢርካ ይርአ ኸም ዝነበረ ኣይከሓድን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እሱር ምዃኑ ኣይተረፎን።

ብሓሳቡ ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ነቲ ኣብቲ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ዅርባታት ኬብሮን፡ መጓሰ ኣቦኡ እናጓሰየ ዘሕለፎ ህይወት ክንደይ ሳዕ ኰን እዩ ዘኪርዎ ኪኸውን ዚኽእል! ያእቆብ ኣቦኡ፡ መልእኽቲ ኼብጽሕ ናብቲ ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ርሕቀት ዝነበሮ ቦታ ኺሰድዶ ኸሎ፡ ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ኸምዚ ዝበለ ናጽነት ኪረክብ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ኣሕዋቱ ብቕንኢ ተላዒሎም ኣዝዮም ጸልእዎ፣ ጸኒሖም ድማ ከም ባርያ ሸጥዎ። ዮሴፍ ናብ ግብጺ ምስ ተወስደ፡ ኣብ ቤት ጶጢፋር እቲ ግብጻዊ ብዓል ስልጣን የገልግል ነበረ። ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኸኣ እሙን እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ሰበይቲ ጶጢፋር ከም ዝዓመጻ ብሓሶት ስለ ዝኸሰሰቶ እዩ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ እተዳጐነ። *—ዘፍጥረት ምዕራፍ 37, 39።

ዮሴፍ ወዲ 28 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ማእሰርትን እዩ ኣሕሊፍዎ። ህይወቱ ኸምቲ እተመነዮ ኣይኰነትሉን። ካብ ማእሰርቲ ይወጽእ ደዀን ይኸውን፧ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዜፍቅሮ ኣቦኡን ነቲ ዚፈትዎ ንእሽቶ ሓዉ ብንያምን እንደገና ኺርእዮም ድዩ፧ ኣብዚ ዓዘቕቲ እዚኸ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ኺጸንሕ፧

ከምቲ ንዮሴፍ እተሰምዖ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ ህይወት ካብቲ ብግዜ ንእስነትና እንምነዮ ዝነበርና፡ ኣዝያ እተፈልየት ክትኸውን ትኽእል እያ። እቲ ዜጋጥመና ዜሕዝን ኵነታት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ኺመስል ስለ ዚኽእል፡ መዋጽኦ ዘይብልና ወይ እውን ክንጻወሮ ዘይንኽእል ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ካብ እምነት ዮሴፍ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

“እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ”

ዮሴፍ፡ የሆዋ ኣምላኹ ፈጺሙ ኸም ዘይረስዖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ነዚ ምፍላጡ ድማ ንኺጽመም ሓጊዝዎ እዩ። ኣብዚ ኣብ ምድሪ ጓና ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንዮሴፍ ብእተፈላለየ መገዲ ይባርኾ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ” ዚብል እነንብብ። (ዘፍጥረት 39:21-23) ዮሴፍ ኣብ ዕዮኡ ብቐጻሊ ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ በረኸት ኣምላኽ ንኺረክብ መሰረት ኣንበረ። የሆዋ ዅሉ ግዜ ምስኡ ኸም ዝነበረ ምፍላጡስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣጸናኒዕዎ ኪኸውን ዘለዎ!

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሓዋሩ ኺጸንሕ፡ ሓሳብ የሆዋ ድዩ ነይሩ፧ ኪግምት ጥራይ እዩ ዚኽእል ነይሩ፣ ብጸሎት ኣቢሉ ነቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዘቕረቦ ግና ርግጽ እዩ። ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዜጋጥም፡ ጸሎቱ ብዘይተጸበዮ መገዲ ተመለሰ። ሓደ መዓልቲ ኽልተ ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም ምስ መጹ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ያዕያዕ ኰነ። እቲ ሓደ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሰንካት እንጌራ ንጉስ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 40:1-3

እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንዮሴፍ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ልዑል  ስልጣን ዝነበሮም ክልተ ሰባት መዘዞ። * ሓደ ለይቲ እዞም ክልተ ሰባት ንኽትርድኦ ዜጸግም ሕልሚ ሓለሙ። ዮሴፍ ንጽብሒቱ ንግሆ ምስ ረኣዮም፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ተረድአ። ስለዚ፡ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። (ዘፍጥረት 40:3-7) ምናልባት እቲ ሕያውነት ዝመልኦ ኣቀራርባኡ፡ ፍዅስ ኢልዎም ጸገማቶም ብግልጺ ንኺነግርዎ ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝርርብ እዚ፡ ናብቲ ኣብ ህይወቱ ነጥበ መቐይሮ ዚኸውን ኵነታት ከም ዜምርሕ፡ ዮሴፍ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ነዞም ክልተ ሰባት ሕያውነት እንተ ዘየርእዮም ነይሩ፡ ምናልባት ኣብ መንጎኦም ዝርርብ ኪህሉ ኣይምኸኣለን። እቲ ዮሴፍ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ‘ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ንኻልኦት ክገልጽ ከለኹ ንሰባት ተገዳስነት አርእዮም ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንኽንሓትት ኬለዓዕለና ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ ንመተኣስርቱ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ሓዞም

እቶም ክልተ ሰባት በቲ ንኽትርድኦ ዜጸግም ሕልሞም ከምኡ እውን ንሕልሞም ኪፈትሓሎም ዚኽእል ሰብ ብዘይ ምንባሩ ተረቢሾም ከም ዝነበሩ ገለጹሉ። ሕልሚ ንግብጻውያን ብዙሕ ኣገዳስነት ስለ ዝነበሮ፡ ግብጻውያን ኣብቶም ‘ሕልሚ ንፈትሕ ኢና’ ዚብሉ ሰባት ይውከሉ ነበሩ። እዞም ክልተ ሰባት፡ እቲ ዝሓለምዎ ሕልሚ ኻብቲ ኣምላኽ ዮሴፍ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዝመጸ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ዮሴፍ ግና ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ” ብምባል ሕልሞም ኪፍታሕ ከም ዚኽእል ኣረጋገጸሎም። (ዘፍጥረት 40:8) እቲ ሽዑ እተዛረቦ ቓላት፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ቕኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖተኛ ሰብ ከምዚ ዓይነት ትሕትና እንተ ዘርእስ መን ምሃበ! ትዕቢት ዝመልኦ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣወጊድና ቕኑዕ ትርጕም ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብ ኣብ ኣምላኽ ንኽንውከል ፍቓደኛታት ክንከውን የድሊ።—1 ተሰሎንቄ 2:13፣ ያእቆብ 4:6

ፈለማ እቲ ኣሰላፍ ሜስ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ዘለላኡ ዝበሰለ ዘቢብ ዘለዎ ሰለስተ ጨንፈር ዝነበራ ኦም ወይኒ ኸም ዝሓለመ ነገሮ። እቲ ኣሰላፍ ሜስ ነቲ ብሱል ዘቢብ ወሲዱ ኣብ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቘ። ሳላ የሆዋ፡ ዮሴፍ ብኡብኡ ንትርጕም እቲ ሕልሚ ፈለጦ። ነቲ ኣሰላፍ ሜስ ድማ፡ እተን ሰለስተ ጨናፍር፡ ሰለስተ መዓልቲ ኸም ዝዀና፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ፈርኦን ናብቲ ናይ ቅድም ስልጣኑ ኸም ዚመልሶ ነገሮ። ኣብ ገጽ እቲ ኣሰላፍ ሜስ፡ ናይ እፎይታ ስምዒት ይርአ ነበረ፣ ዮሴፍ ድማ “በጃኻ፡ ምሕረት ግበረለይ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ” ኢሉ ለመኖ። ቀጺሉ ድማ ካብ ዓዱ ኸም እተጨውየን ብዘይ ገለ ምኽንያት ከም እተኣስረን ገለጸሉ።—ዘፍጥረት 40:9-15

እቲ ሰንካት እንጌራ ኸኣ፡ በቲ ኣሰላፍ ሜስ ዝረኸቦ ብስራት ተተባቢዑ፡ ነቲ ኣብ ርእሱ ሰለስተ መሶብ እንጌራ፡ ካብ ሓንቲአን ከኣ ኣዕዋፍ ኪበልዓ ኸለዋ ዝረኣዮ ሕልሙ ኺፈትሓሉ ንዮሴፍ ሓተቶ። መልሲ እዛ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንዮሴፍ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ነቲ ሰንካቲ እንጌራ ብስራት ኣይነበረን። ዮሴፍ ከኣ፡ “ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ  ኻባኻ ኪወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ኪሰቕለካ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ኪበልዓኦ እየን” ኢሉ መለሰ። (ዘፍጥረት 40:16-19) ከም ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ዮሴፍ ነቲ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ዚመጽእ ፍርድን ብስራትን ዚገልጽ መልእኽቲ ኣምላኽ ብትብዓት ነጊሩ እዩ።—ኢሳይያስ 61:2

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እቲ ዮሴፍ ዝበሎ ተፈጸመ። ፈርኦን በዓል ልደቱ ኣብዓለ—ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ልደት ኣየብዕሉን እዮም ነይሮም—ነቶም ክልተ ኣገልገልቱ ድማ ፈረዶም። ልክዕ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም እቲ ሰንካቲ እንጌራ ተሰቕለ፡ እቲ ኣሰላፍ ሜስ ድማ ናብ ናይ ቅድም ስልጣኑ ተመልሰ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ኣሰላፍ ሜስ ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ስለ ዝበሎ ንዮሴፍ ረስዖ።—ዘፍጥረት 40:20-23

“እዚ ኣባይ ኣይኰነን”

ክልተ ዓመት ምሉእ ሓለፈ። (ዘፍጥረት 41:1) እዝስ ንዮሴፍ ክሳዕ ክንደይ ተስፋ ኣቝሪጽዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ! የሆዋ ነቲ ንኽትርድኦ ዜጸግም ሕልምታት እቲ ኣሰላፍ ሜስን እቲ ሰንካት እንጌራን ኬስተውዕል ምስ ሓገዞ፡ ዮሴፍ ብዙሕ ተስፋ ገይሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ኺትንስእ ከሎ፡ እታ ዚፍትሓላ መዓልቲ ኽትከውን ተስፋ ይገብር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ይኹን እምበር እቲ ኣሰልካዪ ናይ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ኸም ዘለዎ ቐጸለ። ካብ ኵለን እተን ዘሕለፈን ኣጸገምቲ እዋናት፡ እዘን ክልተ ዓመት ንምጽማመን ብዝያዳ በዳህቲ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ምስናይዚ ግና፡ እቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝነበሮ እምንቶ ኣየጥፍአን። ኣብቲ ፈታኒ እዋን ተስፋ ኣብ ክንዲ ዚቘርጽ፡ ንኺጻወር እዩ ቘሪጹ ነይሩ፣ ብዝያዳ ደልዲሉ ድማ ወጸ።—ያእቆብ 1:4

ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር እዋን እዚ መን ካባና እዩ እሞ ተጻዋርነት ኬማዕብል ዘየድልዮ፧ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ዘየቋርጽ ፈተናታት ምእንቲ ኽንጻወሮ፡ ቈራጽነትን ትዕግስትን ከምኡ እውን እቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህበና ዚኽእል ውሽጣዊ ሰላምን የድልየና እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ከምቲ ንዮሴፍ ዝሓገዞ፡ ንተስፋ ምቝራጽ ኣሰኒፍና ንተስፋና ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:12፣ 15:13

እቲ ኣሰላፍ ሜስ ንዮሴፍ እኳ እንተ ረስዖ፡ የሆዋ ግና ኣይረስዖን። የሆዋ ሓደ ለይቲ ንፈርኦን ክልተ ዘይርሳዕ ሕልምታት ኣርኣዮ። ፈለማ እቲ ንጉስ፡ ሾብዓተ ስቡሓትን ጽቡቓትን ኣሓ ረኣየ፡ ደድሕሪኤን ከኣ ካልኦት ሾብዓተ ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ኻብ ፈለግ ኒል ኪወጻ ኸለዋ ረኣየ። እተን ዓባሩ ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ስቡሓት ኣሓ ወሓጥአን። ጸኒሑ ፈርኦን ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ረኣየ፣ ድሕሪኤን ድማ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ኪወጻ ረኣየ። ምስ ወግሐ፡ ፈርኦን በቲ ሕልምታት መንፈሱ ስለ እተረበሸ፡ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ሕልሙ ንኺፈትሕሉ ጸውዖም። ዚፈትሓሉ ግና ኣይነበረን። (ዘፍ 41:1-8) ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ድዮም ኣምጺኦም ወይስ ተዓኒዶም ተሪፎም፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ፈርኦን በዚ እኳ እንተ ጐሃየ፡ ትርጕም እቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ንምርካብ ቈሪጹ ነበረ።

ኣማስያኡ፡ እቲ ኣሰላፍ ሜስ ንዮሴፍ ዘከሮ! ሕልናኡ ወቐሶ እሞ፡ ንፈርኦን ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ኽልተ ዓመት ንዝሓለሞ ሕልምን ንሕልሚ እቲ ሰንካት እንጌራን ብትኽክል ዝፈትሐ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ዜደንቕ መንእሰይ ነገሮ። ብኡብኡ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ጸውዖ።—ዘፍጥረት 41:9-13

ልኡኻት ፈርኦን ናብ ቤተ መንግስቲ ኺወስድዎ ምስ መጹ፡ ዮሴፍ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ብሓሳብካ ስኣሎ። ዮሴፍ ብቕልጡፍ ክዳኑ ቐዪሩ፡ ተላጸየ—ምልጻይ፡ ልምዲ ግብጻውያን እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብቲ ምስ ፈርኦን ዚገብሮ ዝርርብ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኾ ልባዊ ጸሎት ኣቕሪቡ ኪኸውን ኣለዎ። ሕጂ ድማ ኣብቲ ምሾት ዝመልኦን ዘጌጸን ቤተ መንግስቲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቈመ። ከምዚ ዚብል ድማ ነንብብ፦ “ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ሕልሚ ሐሊመ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ።” ዮሴፍ ድማ፡ “እዚ ኣባይ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰ። እቲ ዮሴፍ ዝሃቦ መልሲ፡ ትሕትናኡን ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነትን እዩ ዜርኢ።—ዘፍጥረት 41:14-16

ዮሴፍ ንፈርኦን ብትሕትና፡ “እዚ ኣባይ ኣይኰነን” በሎ

የሆዋ ንትሑታትን ንእሙናትን ሰባት የፍቅሮም እዩ፣ ስለዚ እዩ ኸኣ ንዮሴፍ፡ እቶም ፈላጣትን ጠቢባንን ግብጺ ኺፈትሕዎ ዘይከኣሉ ሕልሚ ዝገለጸሉ። ዮሴፍ እተን ክልተ ሕልሚ ፈርኦን ሕደ ትርጕም ከም ዘለወን ገለጸ። እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ፡ “እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ”፣ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ድማ እዩ ዜርኢ። እተን ጽቡቓት ኣሓን እተን ጽቡቓት ሰዊትን፡ ኣብ ግብጺ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት እየን ዜመልክታ፣ ብኣንጻሩ፡ እተን ዓባሩ ኣሓን እተን ቀጠንቲ ሰዊትን ድማ ነተን ናይ ጽጋብ ዓመታት ስዒበን ዝመጻ ጥሜት ዚዀነለን ሾብዓተ ዓመት የመልክታ።  እቲ ጥሜት ድማ ንጽጋብ እታ ምድሪ ኸም ዘይነበረ እዩ ኺገብሮ።—ዘፍጥረት 41:25-32

ፈርኦን ሕልሙ ብትኽክል ከም እተፈትሓሉ ተረድአ። እንታይ እዩ ግና ኺግበር ዚከኣል፧ ዮሴፍ፡ ኪግበር ዘለዎ ውጥን ኣውጽአ። ቀጺሉ ድማ፡ ኣብተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ነቲ ዝያዳ እኽሊ እታ ሃገር ዚእክብ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ዚድልብ፡ ኣብቲ ስዒቡ ዚመጽእ ጥሜት ድማ ነቲ እኽሊ ብግቡእ ዜከፋፍል “ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ” ኪደሊ ንፈርኦን ኣማኸሮ። (ዘፍጥረት 41:33-36) ዮሴፍ፡ እቲ ዝነበሮ ተመክሮን ክእለትን ነቲ ዕዮ ብቑዕ ዚገብሮ እኳ እንተ ነበረ፡ ንነብሱ ኣይረቝሓን። እምነቱን ትሕትናኡን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ትዕቢት መገዲ ንኸይስዕብ ሓጊዝዎ እዩ። ኣብ የሆዋ ናይ ሓቂ እምነት እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ንስልጣን ኣይንሃርፍን ወይ እውን ርእስና ኸነኽብር ኢልና ኣይንጽዕርን ኢና። ንዅሉ ነገር ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ የሆዋ ብምግዳፍ፡ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና!

“ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧”

ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን፡ ውጥን ዮሴፍ ጥበባዊ ምዃኑ ረኣዩ። እቲ ንጉስ፡ ምንጪ እዚ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት እዚ፡ እቲ ዮሴፍ ዜምልኾ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበሉ። ነቶም ኣብ ኣጸድ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ገላዉኡ ኸኣ፡ “ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧” በሎም። ቀጺሉ ድማ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦ “ኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተአዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ።”—ዘፍጥረት 41:38-41

ፈርኦን ቃሉ ሓለወ። ዮሴፍ ነዊሕ ከይጸንሐ ሻሽ ተኸድነ። ፈርኦን ንዮሴፍ ድሪ ወርቂ ገበረሉ፣ ቀለቤቱን ንጉሳዊ ሰረገላን ድማ ሃቦ። ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዑደት ብምግባር፡ ነቲ ውጥን ኬተግብር ምሉእ ስልጣን ተዋህቦ። (ዘፍጥረት 41:42-44) ዮሴፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ መንግስቲ ተሰጋገረ። ንግሆ ኸም ሓደ ትሑት እሱር ኰይኑ ተንስአ፡ ንምሸቱ ግና ትሕቲ ፈርኦን ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ገዛኢ ዀይኑ ደቀሰ። ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ሳላ ዘርኣየ ኣዝዩ ተባሪኹ እዩ። የሆዋ፡ ነቲ ንኣገልጋሊኡ ንዓመታት ዚኣክል ዜሳቕዮ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ርእይዎ እዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ድማ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡን በቲ ቕኑዕ መገድን ፈትሖ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ እተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኬዐርዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህዝቢ እስራኤል ኬዕቍቦም እውን እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ኣብ ዚቕጽል፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ዚወጽእ ዓንቀጽ፡ እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኽንርኢ ኢና።

ፈታኒ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ምናልባት እውን እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል እንተ ዀነ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንዮሴፍ ዘክሮ። ዮሴፍ ሕያውነቱን ትሕትናኡን ትዕግስቱን እምነቱን ስለ ዘየጥፍአ፡ መወዳእታኡ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 1 ነሓሰን ናይ 1 ሕዳርን 2014 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓምዲ ዝወጻ ዓንቀጻት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ጥንቲ ዝነበሩ ግብጻውያን ልዕሊ 90 ዚኸውን እተፈላለየ ዓይነት እንጌራን ሕብስትን ነበሮም። ስለዚ፡ እቲ ሓለቓ ሰንካት እንጌራ ፈርኦን፡ ልዑል ስልጣን ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። እቲ ኣሰላፍ ሜስ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም፡ ብሉጽነት እቲ ፈርኦን ዚሰትዮ ወይኒ ዜረጋግጹ ኣገልገልቲ ነይሮምዎ እዮም። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንጉስ ንምቕታል ውዲት ምእላም ልሙድ ብምንባሩ፡ እቲ ንጉስ ዚሰትዮ ወይኒ ንኸይምረዝ ኪቈጻጸር እውን ሓላፍነቱ እዩ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣሰላፍ ሜስ፡ ዚእመን ኣማኻሪ ንጉስ ኪኸውን ነበሮ።

ብዝያዳ ፍለጥ

“ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”

ዮሴፍ ኣብ ስድራ ቤቱ ዘሕለፎ ኣጸጋሚ ኣተዓባብያ፡ ነተን ሎሚ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰበይቲ ኣቦ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ መለበሚ ኪዀነን ይኽእል እዩ።

‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’

ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ንኸተስድዖ ኢላ ብዘይምቍራጽ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኺቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ብምጽናዕ ሕጂ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧