ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ለካቲት 2015

ንስራሕካ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

ሓያሎ ሰባት ስራሕ ዜሐጕስን ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎን ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ብዛዕባ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኼማዕብሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፧

ገለ ሰባት ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ፡ ምስ ደረጃኦም ዘይከይድ ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር፡ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ምስራሕ ዜሐጕሶም ብዙሓት ኣለዉ። ብስራሖም ኪዓግቡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስራሕካ ሓጐስን ዕግበትን ንኽትረክብ ዚሕግዝ ዚዓዪ ምኽሪ መርምር።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ እተጻሕፈ እኳ እንተ ዀነ፡ ሎሚ እውን ግብራዊ ጥቕሚ ኣለዎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ።

በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታት ህይወት ዚህቦ ርትዓዊ መልሲ ተመሲጠ

አርነስት ሎይዲ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ረኸበ። እቲ ንጹር መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ሂብዎ እዩ።

“እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”

ዮሴፍ ንሕልምታት እቲ ግብጻዊ ኣሰላፍ ሜስን, ሰንካት እንጌራን, ከምኡ እውን ፈርኦንን ብትብዓት ኪፈትሕ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ዮሴፍ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ መንግስቲ እተሰጋገረ ብኸመይ እዩ፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኸተምጽኦ እትኽእል ሰላምን ደሓንን እሞ ሕሰብ። ኣምላኽ ከምዚኣ ዝበለት መንግስቲ ኸም ዜቕውም ንእተመባጽዖ መብጽዓ እንኣምኖ ስለምንታይ ኢና፧ ብቑዕ ገዛኢ እዛ መንግስቲ ኪኸውን ዚኽእል መን እዩ፧