ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ጥሪ 2015

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንብዙሓት ሰባት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንኺኣምኑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

ህይወትሲ እተደንቕዶ ኣይኰነትን፧

ኣስታት 3,000 ዓመታት ይገብር ሓደ ገጣሚ፡ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 139:14) ሓደ ሕጻን ካብ ሓንቲ ዋህዮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚዓቢ ኽትሓስቦ ኸለኻስ ኣየደንቐካንዶ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ህይወታውያን እተነድፉሉ መገዲ ምስ ረኣዩ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚኖም እዮም።መዝሙር 139:13-17፣ እብራውያን 3:4 ኣንብብ።

እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረን ንምድሪ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰናን ፈጣሪ፡ ህይወት እውን ፈጢሩ እዩ። (መዝሙር 36:9) ንሱ ምስ ደቂ ሰብ ርክብ መስሪቱ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እውን ገሊጹልና እዩ።ኢሳይያስ 45:18 ኣንብብ።

መበቈል ደቂ ሰብ ካብ እንስሳታት ድዩ፧

ኣካላትና፡ ብብዙሕ መዳያት ምስ ናይ እንስሳታት ይመሳሰል እዩ። ከመይሲ፡ ፈጣሪ ንሰባትን እንስሳታትን ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ኢሉ እዩ ነዲፍዎም። ነቲ ቐዳማይ ሰብ ድማ ካብ ሓመድ ምድሪ ደኣ እምበር፡ ካብ እንስሳታት ኣይኰነን ገይርዎ።ዘፍጥረት 1:24፣ 2:7 ኣንብብ።

ሰባት ካብ እንስሳታት ዚፍለዩሉ ኽልተ ቐንዲ መዳያት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ሰባት ንፈጣሪኦም ናይ ምፍላጥን ናይ ምፍቃርን ናይ ምኽባርን ተኽእሎ ኣለዎም። ካልኣይ፡ እንስሳታት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም፣ ሰባት ግና ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ተፈጢሮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ መምርሒ ፈጣሪ ስለ ዝነጸገ፡ ኵሎም ሰባት ሞት ወሪሶም እዮም።ዘፍጥረት 1:27፣ 2:15-17 ኣንብብ።

 

 

ብዝያዳ ፍለጥ

ዘይተነግረ ታሪኽ ፍጥረት

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ ምስ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ይሳነ ድዩ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ብብሕቲ ዚሓልየልካዶ ይመስለካ፧ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎን ብኸመይ ክንቀርቦ ኸም እንኽእልን ተምሃር።