ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ታሕሳስ 2014

ቲምጋድ—ምስጢራ እተቐልዐ እተቐብረት ከተማ

ቲምጋድ—ምስጢራ እተቐልዐ እተቐብረት ከተማ

እቲ ደፋር ዳህሳሲ፡ በቲ ዝረኣዮ ነገር ኣዝዩ ደንጸዎ። ኣብ ቅድሚኡ፡ ብእተወሰነ ሸነኹ ኣብቲ ኣብ በረኻ ኣልጀርያ ዚርከብ ሑጻ እተቐብረ፡ ዓወት ሮማውያን ዚሕብር ቀስታዊ ቕርጺ ዘለዎ ሓወልቲ ነበረ። እቲ ጄምስ ብሩስ ዝስሙ ስኮትላንዳዊ ዳህሳሲ፡ ብ1765 ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቦታ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ከተማ ደው ኢሉ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጠን፣ እታ ኸተማ እቲኣ፡ ታሙጌዲ (ሕጂ ቲምጋድ) ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ሮማውያን ዝሰፈሩላ ዝዓበየት ከተማ እያ ነይራ።

ልዕሊ ሓደ ዘመን ጸኒሑ፡ ማለት ብ1881፡ ፈረንሳውያን ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነቲ ኣብ ቲምጋድ ዚርከብ ብዚግባእ እተዓቀበ ፍርስራስ ኪዅዕትዎ ጀመሩ። እዞም ተመራመርቲ እዚኦም፡ እቲ ቦታ ባድምን ዘይምሹእን እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ጥንታውያን ተቐማጦ ግና ብምሾትን ብተድላን ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ደምደሙ። ኰይኑ ግና፡ ሮማውያን ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታ፡ ዝበለጸገ ግዝኣት ንኺሃንጹ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ካብታ ጥንታዊት ከተማን ካብ ተቐማጦኣንከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ሕቡእ ፖለቲካዊ ዕላማ

ሮማውያን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ንግዝኣቶም ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ እናኣስፍሕዎ ምስ ከዱ፡ ካብ ገሊኦም ዘላን ዝዀኑ ቐቢላታት ከቢድ ምጽራር ኣጋጠሞም። እሞኸ ሮማውያን ምስዞም ተቐማጦ እዚኦም ሰላም ኪገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ፈለማ፡ ሳልሳይ ክፍለ ሰራዊት ኣውጉስጦስ፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሰሜናዊ ኣልጀርያ ዚርከብ ኣኽራን ዚበዝሖ ኸባቢ፡ ብዙሕ ጽኑዕ ሰፈርን ቦታታት ሓለዋን ሃነጹ። ጸኒሖም ድማ ንኸተማ ቲምጋድ ሃነጹዋ፣ ዕላማኦም ግና ካልእ እዩ ነይሩ።

ብላዕሊ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ ሮማውያን ንቲምጋድ፡ መንበሪ እቶም ጡረታ ዝወጹ ወተሃደራት ክትከውን ኢሎም እዮም ሃኒጾምዋ፣ ከም ሓቂ ግና፡ ዕላማኡ ነቲ ኻብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ቐቢላታት ዚመጽእ ተቓውሞ ንምድኻም እዩ ነይሩ። ሮማውያን ድማ ኣብዚ መዳይ እዚ ተዓዊቶም እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ቲምጋድ ዝነበረ ምሾት ዝመልኦ ናብራ፡ ነቶም ምህርቲ ንምሻጥ ናብ ከተማ ዚመጹ ዝነበሩ ተቐማጦ ኺስሕቦም ጀመረ። ብዙሓት ተቐማጦ ኣብታ ሮማውያን ዜጋታት ጥራይ ኪነብሩላ ዚፍቀደሎም ቲምጋድ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ብፍታዎም ኣብ ሰራዊት ሮሜ ን25 ዓመት ምእንቲ ኼገልግሉ ይኽተቡ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንገዛእ ርእሶም ኰነ ንደቆም ዜግነት ሮሜ ይረኽቡ ነበሩ።

ገሊኦም ኣፍሪቃውያን ግና፡ ዜግነት ሮሜ ብምርካብ ጥራይ ኣይዓገቡን፣ ጸኒሖም ኣብ ቲምጋድ ኰነ ኣብ ካልእ ግዝኣታት ስልጣን ሓዙ። ሮማውያን በቶም ተቐማጦ ተቐባልነት ኪረኽቡ ዝገበርዎ ውዲት ስለ እተዓወተ፡ ቲምጋድ ካብ እትህነጽ 50 ዓመት ጥራይ ጸኒሑ፡ ተቐማጦኣ መብዛሕትኦም ደቂ ሰሜን ኣፍሪቃ እዮም ነይሮም።

ሮሜ ንልቢ እቶም ተቐማጦ ዘስድዓትሉ መገዲ

ውቁብ ኣዕኑድን ኮፍ መበልን ዘለዎ ዕዳጋ

ሮማውያን ንልቢ እቶም ደቀባት ብቕልጡፍ ኬስድዕዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብቐዳምነት፡ ሮማውያን ነቲ ሲሰሮ ዝስሙ ሮማዊ ፖለቲከኛ ዚምህሮ ዝነበረ ስርዓት ብምስዓብ፡ ኣብ መንጎ  ዜጋታት ማዕርነት ከም ዚህሉ ገበሩ። እቲ መሬት ድማ ነቶም ጡረታ ዝወጹ ሮማውያን ወተሃደራት ኰነ ነቶም ኣፍሪቃውያን ደቀባት ብማዕረ ተመቕለ። እታ ኸተማ እውን እንተ ዀነት፡ ብጥንቃቐ እያ ተሃኒጻ፣ እቲ ኣባይቲ 20 ትርብዒት ሜተር ኣብ ዚኸውን ቦታ እዩ ዚህነጽ ነይሩ፣ ብመንጎ እቲ ኣባይቲ ዚሓልፍ ጸበብቲ ጐደናታት ድማ ነበረ። ከምዚ ዓይነት ማዕርነትን ስርዓትን እተንጸባረቖ ኣሰራርሓ፡ ነቶም ተቐማጦ ኣዝዩ ስሒብዎም ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ሮሜ ዚግበር ዝነበረ፡ ተቐማጦ ቲምጋድ እውን፡ ኣብ መዓልትታት ዕዳጋ ኣብቲ ህዝቢ ዚእከበሉ ቦታታት ኰይኖም፡ እዋናዊ ዜና ይሰምዑ ወይ ከኣ እተፈላለየ ጸወታታት ይጻወቱ ነበሩ። ኣብቲ ቦታታት ኣጻምእ ዝዀነ ኣኽራን ዚነብሩ ዝነበሩ ደቀባት፡ በቲ ጽላል ዘለዎ ኣዕኑድ ብእግሮም ሸናዕ ኪብሉ ኸለዉ፡ ወይ ከኣ ኣብ ምዉቕን ሃሩርን መዓልቲ ኣብቲ ድምጺ ዜንጠብጥብ ማይ ክትሰምዓሉ እትኽእል ህዝባዊ መሕጸብ ነብሲ ኺዘናግዑ ኸለዉ ይረኣዮም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ጥቓ እቲ ባህ ዜብል ጃሕጃሕ ዚብል ማይ ኮፍ ኢሎም ምስ ፈተውቶም ኬዕልሉ ኸለዉ እውን ይረኣዮም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ ነቶም ደቀባት፡ ከም ሕልሚ እዩ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊኡ ምስሊ ሰለስተ ኣማልኽቲ ዘለዎ ሓወልቲ መቓብር

እቲ ኣብ ደገ ዄንካ ትያትር ዚረኣየሉ ቦታታት እውን፡ ንልቢ እቶም ተቐማጦ ኣብ ምስዳዕ ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ። እቲ ልዕሊ 3,500 ሰባት ኪሕዝ ዚኽእል ዝነበረ ቦታታት፡ ነቶም ካብ ቲምጋድን ካብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኸተማታትን ዚመጹ ዝነበሩ ዋዕዋዕ ዚብሉ ሰባት የተኣናግድ ነበረ። ኣብቲ መድረኽ ድማ፡ ተዋሳእቲ ነቲ መብዛሕትኡ እዋን ርኽሰት ወይ ዓመጻ ዜርኢ ሮማውያን ዚፈትውዎ ነውራም መዘናግዒ የቕርቡ ነበሩ።

ሃይማኖት ሮሜ እውን፡ ልቢ እቶም ደቀባት ኣብ ምስዳዕ ግደ ነይርዎ እዩ። ኣብቲ መሕጸብ ነብሲ ዝነበረ ባይታን መናድቕን፡ በቲ ኻብ ኣረማዊ ያታ እተወስደ ደሚቕ ስእልታት ዘጌጸ ነበረ። ነብስኻ ምሕጻብ በብመዓልቱ ዚግበር ኣገዳሲ ንጥፈት ስለ ዝነበረ፡ እቶም ተቐማጦ ቐስ ብቐስ ንኣማልኽትን ንሃይማኖትን ሮማውያን ብዝያዳ ፈለጥዎ። ኣፍሪቃውያን ምስ ባህሊ ሮሜ ንኺወሃሃዱ ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ሓወልትታት መቓብር፡ በቶም ደቀባትን ብሮማውያንን ዚእመነሎም ምስሊ ሰለስተ ኣማልኽቲ ይቕረጾ ነበረ።

እተረስዐት ጽብቕቲ ኸተማ

ሃጸይ ትራጃን ንኸተማ ቲምጋድ ብ100 ድ.ክ. ምስ ደኰና፡ ሮማውያን ኣብ ብምሉኡ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ እኽልን ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ኪፈሪ የተባብዑ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ እቲ ኸባቢ፡ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዚኸውን ኣድላዪ ምህርቲ ዜቕርብ መኽዘን ኰነ። ልክዕ ከም ካልኦት ግዝኣታት፡ ቲምጋድ እውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ በልጸገት። ድሕሪ ግዜ፡ ብዝሒ ህዝባ ወሰኸ፣ ካብቲ ፈለማ ኽትስራሕ ከላ ዝነበረቶ ንላዕሊ ድማ ሰፍሐት።

ተቐማጦ ኸተማን ወነንቲ መሬትን፡ ብምኽንያት እቲ ምስ ሮሜ ዚግበር ዝነበረ ንግዲ እኳ እንተ ሃብተሙ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ይብደሉ ነበሩ። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ብሰንኪ ማሕበራዊ ግፍዕን ሰፍ ዘይብል ግብርን፡ እቶም ሓረስቶት ናዕቢ ኼልዕሉ ጀመሩ። ገለ ኻብቶም ንእምነት ካቶሊክ ተቐቢሎም ዝነበሩ ሓረስቶት፡ ምስ ዶናቲስት ሓበሩ፣ ዶናቲስት፡ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝነበረ ብልሽውና ብምቅዋም ንገዛእ ርእሶም ዝፈለዩ፡ ክርስትያን ምዃኖም ዚዛረቡ ጕጅለ እዮም ነይሮም።—ነታ፡ “ ዶናቲስት—‘ንጽህቲ ቤተ ክርስትያን’ ኣይኰኑን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ድሕሪ እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብን ኵናት ሓድሕድን ባርባራዊ ወረራን፡ ስልጣነ ሮሜ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበሮ ሓይሊ ደኸመ። ኣብ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ.፡ ቲምጋድ  በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ቐቢላታት ዓረብ ምሉእ ብምሉእ ብሓዊ ነደደት፣ ንልዕሊ 1,000 ዓመት ድማ ተረስዐት።

“ህይወት ማለት እዚ እዩ!”

ህዝቢ ኣብ ዚእከበሉ ቦታ ዚርከብ፡ “ሃድን ምህዳን፡ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ምጽዋት፡ ምስሓቕ—ህይወት ማለት እዚ እዩ!” ዚብል ጽሑፍ ላቲን ዘለዎ ቕርጺ

ነቲ ኣብ ቲምጋድ ዚርከብ ፍርስራስ ዝዀዓትዎ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ በቲ ኣብቲ ህዝቢ ዚእከበሉ ቦታ ዝረኸብዎ ብላቲን እተጻሕፈ ጽሑፍ ተገሪሞም እዮም። እቲ ጽሑፍ፡ “ሃድን ምህዳን፡ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ምጽዋት፡ ምስሓቕ—ህይወት ማለት እዚ እዩ!” ዚብል ነበረ። ሓደ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጽሑፍ፡ “ቍም ነገር ዘይብሉ ፍልስፍና ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰባት ግና ጥበብ ከም ዝሓዘለ ምስጢር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።”

ሮማውያን ንእተወሰነ እዋን፡ ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ እተጠቕሰ ዓይነት ናብራ እዮም ዚመርሑ ነይሮም። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝስሙ ክርስትያን፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ብዚብል ፍልስፍና ህይወት ዚምርሑ ሰባት ጠቒሱ ነበረ። ሮማውያን፡ ሃይማኖታውያን እኳ እንተ ነበሩ፡ ብግዝያዊ ተድላ እዮም ዚምርሑ ነይሮም፣ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ድማ ብዙሕ ግዲ ኣይነበሮምን። ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኪጥንቀቑ ነገሮም፣ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ኸኣ በሎም።—1 ቈረንቶስ 15:32, 33

ህዝቢ ቲምጋድ፡ ኣስታት 1,500 ዓመት ይገብር እኳ ይነብሩ እንተ ነበሩ፡ ሎሚ ዘሎ ንህይወት ዚምልከት ኣረኣእያ ግና ኣይተቐየረን። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ግዜያዊ ተድላ ጥራይ እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ዜምጽኦ ሳዕቤን ብዘየገድስ፡ ነቲ ሮማውያን ዝነበሮም ንህይወት ዚምልከት ኣረኣእያ እዮም ዚስዕቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ንጹርን ግብራውን ምኽሪ እዩ ዚህብ፣ “ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ተለዋዋጢ እዩ” ድማ ይብል፣ ‘በዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ንኸይንጥቀም’ ከኣ ይላበወና።—1 ቈረንቶስ 7:31

ፍርስራስ ቲምጋድ፡ ነቲ ኣብ ሑጻ ሰሜን ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዘመን እተቐብረ ጽሑፍ ምስዓብ፡ ምስጢር ሕጉስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ከም ዘይኰነ ዚምስክር እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክንነብር እንተ ደሊና፡ ነቲ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከነቕልበሉ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 2:17

ብዝያዳ ፍለጥ

ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜሐጕስ መጻኢ ዚገልጾ ነገራት ክትኣምኖ እትኽእለሉ ኽልተ ምኽንያት ኣንብብ።