ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  መስከረም 2014

 ገበር

ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧

ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧

“ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።” —ንጉስ ሰሎሞን፡ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. *

እዚ ሓደ ኻብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሰብ፡ ዕምሪ ደቂ ሰብ ምስታ ዘለኣለማዊት ዝዀነት ምድሪ ኺወዳደር ከሎ፡ ቀልጢፉ ዚሓልፍ ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ብሓቂ ድማ፡ ንኣሽሓት ዓመታት፡ ወለዶ ኸይዱ፡ ወለዶ ድማ መጺኡ እዩ፣ እዛ ፕላኔትና ግና፡ ብዙሕ ጸገማት ብምሕላፍ፡ ክሳዕ ሕጂ ጸኒዓ፡ ህይወት ከም ዚቕጽል ትገብር ኣላ።

ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው ኣብ ዘለዋ ዓመታት፡ ኣብ ዓለምና ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጥታት ኣጋጢሙ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 70 ዓመት፡ ኣብ መጓዓዝያን መራኸብን ካልእ ተክኖሎጅን ዕቤት ተራእዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጠባዊ ለውጥታት ኣምጺኡ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይከኣል ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ ዓይነት ናብራ ኺነብሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ድማ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ ለውጥታት፡ ሳዕቤናት እውን ነይርዎ እዩ። ንጥፈታት ደቂ ሰብ ንምድሪ ኣመና ይጐድኣ ኣሎ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ባህርያዊ ዑደታት ምድሪ ብግቡእ ኪዓዪ ስለ ዘይክእል፡ ንህይወት ኪድግፍ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ኺበጽሕ እዩ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ኣንትሮፖሲን ዚብሃል ሓድሽ መዋእል ስነ መሬት ኣቲና ኸም ዘለና እዮም ዚዛረቡ፣ እዚ መዋእል እዚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ፕላኔትና ብቐጻሊ ኣዝዩ ዓብዪ ጽልዋ ዚገብሩሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ‘ንምድሪ ዜጥፍኡሉ’ እዋን ከም  ዚመጽእ ይንበ እዩ። (ራእይ 11:18) ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ንነብር እንተ ኣሊና ይሓትቱ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጕድኣት ክሳዕ ኣበየናይ ደረጃ እዩ ኺበጽሕ፧ ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧

ከም ዘይትዕረ ጌርካ ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድርና ኸም ዘይትዕረ ጌርካ ኽትጠፍእ ድያ፧ ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እቲ ኣብ ምድርና ዚርአ ዘሎ ለውጥታት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ምግማት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ሃንደበታውን ዘይተሓስበን ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ ሕማቕ ሳዕቤን ኬምጽእ ናብ ዚኽእለሉ ደረጃ ንበጽሕ እንተ ኣሊና የተሓሳስቦም እዩ።

ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣንታርክቲክ ዚርከብ በረድ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ገሊኦም ሰባት፡ ሙቐት ዓለምና በዚ ሕጂ ዘለዎ መጠን እናወሰኸ እንተ ኸይዱ፡ እቲ በረድ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዚመክኽ ይኣምኑ። በረድ ብተፈጥሮኡ ንጩራ ጸሓይ ከም ዚንጸባረቕ እዩ ዚገብሮ። ኰይኑ ግና፡ እቲ በረድ ኪረቅቕን ኪመክኽን ከሎ፡ እቲ ብትሕቲኡ ዚርከብ ንጩራ ጸሓይ ዘየንጸባርቖ ውቅያኖስ፡ ንብርሃን ጸሓይ ይቃላዕ። እቲ ሙቐት ብዝያዳ ዚስሕብ ውሽጣዊ ኽፋል ውቅያኖስ ድማ፡ ነቲ በረድ ብዝያዳ ኸም ዚመክኽ ይገብሮ። እዚ ጐዳኢ ዑደት እዚ፡ ብዘይምቍራጽ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብሰሪ ምምካኽ እቲ በረድ ዜጋጥም ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብዙሕ ጕድኣት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ።

እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኢኮሎጅያዊ ዕዳ

ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ምስ ፕላኔትና ዚተሓሓዝ ህጹጽ ኵነታት ንምፍታሕ፡ ብዙሕ ሓሳባት ቀሪቡ እዩ። ሓደ ኻብኡ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን እተሰርሓሉ፡ ቀጻሊ ዕቤት (ሳስተይነብል ደቨሎፕመንት) ዚብሃል ሜላ እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ኢኮሎጅያዊ ደረት እዛ ፕላኔትና ኸይሓለፍካ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ዕቤት ከም ዚህሉ ምግባር እዩ። እሞኸ፡ እቲ ሜላ ተዓዊቱዶ፧

እቲ ዜሕዝን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ምስ ዕዳ ዚተሓሓዝ ገንዘባዊ ቕልውላው፡ ኢኮሎጅያዊ ዕዳ ምድሪ እውን ኣመና እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ደቂ ሰብ ንጸጋታት ፕላኔትና ብዘይተኣደነ መጠን የህልኽዎ ኣለዉ። እሞኸ ኺግበር ዚከኣል ነገር ኣሎ ድዩ፧ ሓደ ተመራማሪ ኢኮሎጂ፡ “ነዛ ፕላኔት ብኸመይ ብዕዉት መገዲ ኸነመሓድራ ኸም ዘሎና ፈጺምና ኣይንፈልጥን ኢና” ብምባል ብግልጺ ተኣመነ። እዚ ኸኣ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ፣ ኣብኡ፡ “ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡  እፈልጥ አሎኹ” ዚብል ነንብብ ኢና።—ኤርምያስ 10:23

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ንፕላኔትና ምስ ኣከባቢ ብዚተሓሓዝ ከም እትጥፍሽ ኪገብሩዋ ኸም ዘይፈቅድ የረጋግጸልና እዩ። ኣብ መዝሙር 115:16፡ “እግዚኣብሄር፡ ምድሪ . . . ንደቂ ሰብ ሀቦም” ዚብል ነንብብ። እወ፡ ፕላኔትና፡ ሰማያዊ ኣቦና ዝሃበና ‘ጽብቕቲ ውህበት’ እያ። (ያእቆብ 1:17) ውህበት ኣምላኽ፡ ግዜያዊ ወይ ከኣ ልክዕ ከም ሓደ ፍርያት፡ መዓልቱ ዚሓልፎዶ ይመስለካ፧ ኣይፋሉን። ከምኡ ኸም ዘይኰነ፡ ተፈጥሮኣዊ ንድፊ ፕላኔትና ይሕብረና እዩ።

ዕላማ ፈጣሪ

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ብጥንቃቐ ኸም ዘዳለዋ ትሕብረና እያ። ምድሪ ኣብ ፈለማ፡ “በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ።” ኰይኑ ግና፡ እቲ ንህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ “ማይ፡” ኣብዛ ፕላኔትና ኸም ዝነበረ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዘፍጥረት 1:2) ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። (ዘፍጥረት 1:3) ጩራ ጸሓይ ንኣከባብያዊ ኣየር ጥሒሱ ኺኣቱ ስለ ዝጀመረ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ምድሪ ብርሃን ኪርአ ተኻእለ። ካብዚ ቐጺሉ፡ ንቑጽ ምድርን ባሕርን ብኸመይ ከም እተፈጥረ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 1:9, 10) ቀጺሉ ድማ፡ ‘ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቝልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋምን’ ኪበቍል ጀመረ። (ዘፍጥረት 1:12) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኸም ጽማረ ብርሃን (ፎቶሲንተሲስ) ዝኣመሰለ ንህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ መስርሕን ዑደትን ስራሑ ጀመረ። ዕላማ እዚ ዅሉ ምድላው እንታይ እዩ ነይሩ፧

ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” በለ። (ኢሳይያስ 45:18) ብንጹር እምበኣር፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ፡ ብደቂ ሰብ ንዘለኣለም ክትምላእ እዩ ነይሩ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ደቂ ሰብ ነዛ ጽብቕቲ ህያብ ኣምላኽ ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም የጥፍእዋ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ዕላማ ፈጣሪ ኣይተቐየረን። ሓደ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዓስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧” በለ። (ዘሁልቍ 23:19) ኣምላኽ፡ ምድሪ ንኽትጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዜጥፍኣሉ’ እዋን ኣዝዩ ይቐርብ ኣሎ።—ራእይ 11:18

ምድሪ—ዘለኣለማዊት መንበሪትና

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ህቡብ ስብከት፡ “ልኡማት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” በለ።  (ማቴዎስ 5:5) ጸኒሑ ድማ፡ ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ብኸመይ ከም እትድሕን ገለጸ። ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኺጽልዩ ኣዘዞም። እወ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኽትፍጽሞ እያ።—ማቴዎስ 6:10

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ዜደንቕ ለውጢ ኺገልጽ ከሎ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ። (ራእይ 21:5) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣምላኽ ነዛ ምድርና ብኻልእ ሓዳስ ምድሪ ኪቕይራ እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ፕላኔትና ብመሰረቱ ዋላ ሓንቲ ዚጐድላ የብላን። የግዳስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንፕላኔትና ኣብ ጸገም ዜእትዉዋ ዘለዉ፡ ማለት ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ’ ኼጥፍኦም እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ሰብኣዊ ስርዓትን መንግስትታትን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ሰብኣዊ ስርዓትን መንግስትታትን እዚ፡ ብ“ሓድሽ ሰማይ፡” ማለት በታ ሓዳስ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኪትካእ እዩ፣ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ “ሓዳስ ምድሪ፡” ማለት ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተ ሰብ ክትገዝእ እያ።—ራእይ 21:1

ነቲ ብሰንኪ ደቂ ሰብ ዘጋጠመ ኢኮሎጅያዊ ዕዳ ንምስራዝ፡ ኣምላኽ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንኢኮሎጅያዊ ባጀት እንደገና ሚዛኑ ኸም ዚሕሉ ኺገብሮ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጽ ከሎ፡ “ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፡ ኣዚኻ ተሀብትማ” በለ። በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኺባርኻን ንዅነታት ኣየር ምድሪ ብምቍጽጻር ናብ ገነት ኪቕይራን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኸም እተፍሪ ኺገብራን እዩ።—መዝሙር 65:9-13

ሓደ እዋን፡ እቲ መንፈሳዊ መራሒ ህንዲ ዝነበረ ሞሃንዳስ ጋንዲ፡ “ምድሪ ነቲ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ፍርያት ደኣ እምበር፡ ንስስዐ ደቂ ሰብ ዚኸውን ፍርያት ኣይተፍርን እያ” ኸም ዝበለ፡ ጸሓፊኡ ዝነበረ ፕያሬላል ገለጸ። መንግስቲ ኣምላኽ ንልቢ ሰባት ብምቕያር፡ ንቐንዲ ጠንቂ ጸገማት ምድሪ ኸተወግዶ እያ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዀነ ንኻልእ ሰብ ‘እከይን ጕድኣትን ዚገብር ከም ዘይህሉ’ ተነብዩ ነበረ። (ኢሳይያስ 11:9) ካብ ኵሉ ዓይነት ባህልን ኵነታትን ዝመጹ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ይመሃሩ ኣለዉ። ንኣምላኽን ንብጻዮምን ኬፍቅሩን ኣመስገንቲ ኪዀኑን ብዛዕባ ኣከባቢኦም ኪሓልዩን ባህርያዊ ጸጋታት ኪዕቅቡን ንዕላማ ኣምላኽ ዚድግፍ ህይወት ኪነብሩን ይመሃሩ ኣለዉ። ነቲ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚህልዎም ህይወት ድማ እዮም ዚዳለዉሉ ዘለዉ።—መክብብ 12:13፣ ማቴዎስ 22:37-39፣ ቈሎሴ 3:15

ኣምላኽ፡ እዛ እተደንቕ ምድርና ምሉእ ብምሉእ ንኽትጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ

እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ፍጥረት፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብዚብላ ቓላት እዩ ዚዛዘም። (ዘፍጥረት 1:31) ብሓቂ እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ እዛ እተደንቕ ምድርና ምሉእ ብምሉእ ንኽትጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ። መጻኢ ፕላኔትና ኣብ ኢድ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘሎ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ንሱ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 37:29ትርጕም 1990) ንዓኻ እውን ሓደ ኻብቶም ንምድሪ ‘ዘለኣለማዊት መንበሪትና’ ኢሎም ዚጽውዕዋ “ጻድቃን” ይግበርካ።

^ ሕ.ጽ. 3 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መክብብ 1:4 እተወስደ።

ዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጸም ድዩ፧ ዚፍጸም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መዓስ፧