ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ሰነ 2014

ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበሩ ሰለስተ ደለይቲ ሓቂ፡ እንታይ ረኺቦም፧

ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበሩ ሰለስተ ደለይቲ ሓቂ፡ እንታይ ረኺቦም፧

“ሓቂ እንታይ እዩ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝሓተታ፡ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ፍርዲ ዝነበረ የሱስ እዩ ሓቲትዎ። (ዮሃንስ 18:38) ጲላጦስ ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን ከምኡ ኢሉ ሓቲቱ። የግዳስ፡ ሕቶኡ ጥርጣረ ዝመልኦን ምስትንዓቕ ዜርእን እዩ ነይሩ። ከም ኣረኣእያ ጲላጦስ፡ ሓቂ ኣብ ምርጫ ሰብ ወይ ኣብቲ እቲ ሰብ እተማህሮ ነገር እተመርኰሰት ደኣ እምበር፡ ንእንታይነት ሓቂ ኽትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ የልቦን፣ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን፡ ከምኡ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ።

ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ምእመናን፡ ነየናይ ሓቂ ኺኣምኑ ኸም ዘለዎም ምውሳን ኣጸጊምዎም ነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ትምህርትታት ቤተ ክርስትያንን ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ እናተማህሩ እኳ እንተ ዓበዩ፡ ብደለይቲ ተሓድሶ ዚዝርጋሕ ዝነበረ ሓድሽ ሓሳባት ድማ ኣጋጠሞም። እሞኸ ነየናይ እዮም ኪኣምኑ ዘለዎም፧ ኣየናይ ሓቂ ምዃኑኸ ብኸመይ እዮም ኪውስኑ ዚኽእሉ፧

ኣብቲ እዋን እቲ ንሓቂ ኺረኽቡዋ ይጽዕሩ ኻብ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ እቶም ሰለስተ ኽንርኢ ኢና። * እዞም ሰባት እዚኦም፡ ንሓቅን ንሓሶትን ፈልዮም ኪፈልጥዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ እንታይከ እዮም ረኺቦም፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“መጽሓፍ ቅዱስ . . . ወትሩ ልዕሊ ዅሉ ኺስራዕ ኣለዎ”

ቮልፍጋንግ ካፒቶ፡ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነት ዝነበሮ መንእሰይ እዩ ነይሩ። እዚ ሕክምናን ሕግን ስነ ሃይማኖትን ዜጽንዕ ዝነበረ መንእሰይ፡ ብ1512 ናይ ሓደ ኸባቢ ኻህን ኰነ፣ ጸኒሑ ድማ፡ ሓጋዚ ሊቀ ጳጳሳት ማይንትስ ኰነ።

ኣብ ፈለማ፡ ካፒቶ ነቶም ኣንጻር ትምህርቲ ካቶሊክ ዚሰብኩ ዝነበሩ ቕንኣት ዝነበሮም ተሳተፍቲ ተሓድሶ ኼህድኦም ፈቲኑ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ንሱ ንባዕሉ ቐንዲ ደጋፊ እቲ ተሓድሶ ዀነ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ ጄምስ ኪተልሰን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ ካፒቶ፡ ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ብጾቱ እተፈላለየ ትምህርትታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ‘ነቲ ዝሰበኽናዮ ነገራት ንኽትመዝኖ ዜኽእል ዝበለጸ ምንጪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ዜተኣማምን ምንጪ ኪኸውን ዚኽእል’ ኢሉ ይኣምን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካፒቶ፡ እቲ ቤተ ክርስትያን እትምህሮ፡ ቅጫን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ዚገልጽ ትምህርትን ንቕዱሳን ምኽባርን፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኸም ዘይኰነ ደምደመ። (“ እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ነቲ ምስቲ ሊቀ ጳጳሳት ብዚተሓሓዝ ዝነበሮ ልዑል ሓላፍነት ብ1523 ሓዲጉ ድማ፡ ኣብታ ሽዑ ማእከል ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ዝነበረት ከተማ ስትራስበርግ ኪቕመጥ ጀመረ።

እቲ ካፒቶ ኣብ ስትራስበርግ ዚነብረሉ ዝነበረ ቤት፡ ሃይማኖታውያን ተቓወምቲ ዚራኸቡሉ ቦታ እዩ ነይሩ፣ ብዛዕባ ብዙሕ ሃይማኖታዊ  ጕዳያትን ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን ይመያየጡ ኸም ዝነበሩ ድማ ኣየጠራጥርን እዩ። ተሓድሶ ኺግበር ዚደልዩ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ንሰረተ እምነት ስላሴ ይቕበልዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምቲ ዘ ራዲካል ሪፎርሜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ዝሓበረቶ፡ ካፒቶ ኣብ ጽሑፋቱ፡ “ብዛዕባ ሰረተ እምነት ስላሴ ኻብ ምጥቃስ ተቘጢቡ እዩ።” ስለምንታይ፧ እቲ ስጳኛዊ ስነ ሃይማኖተኛ ዝነበረ ማይክል ሰርቪተስ፡ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ንስላሴ ጌጋ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ መገዲ ንካፒቶ ስለ ዘደነቖ እዩ። *

ንስላሴ ምንጻግ ከቢድ ሳዕቤን ስለ ዝነበሮ፡ ካፒቶ ንስምዒታቱ ብግህዶ ኻብ ምዝራብ ይጥንቀቕ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ጽሑፋቱ፡ ምስ ሰርቪተስ ቅድሚ ምርኻቡ እውን እንተ ዀነ፡ ብውልቁ ንስላሴ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ኸም ዝነበረ ይሕብር እዩ። ሓደ ኻህን ካቶሊክ ጸኒሑ ኸም ዝጸሓፎ፡ ካፒቶን ብጾቱን “ብውልቆም ኰይኖምን ንስልጣን ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕቶ ኸየእተዉን፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ምስጢራት ሃይማኖት ይመያየጡ ነበሩ፣ ንቕዱስ ስላሴ [ድማ] ነጸግዎ።” ሓደ ዘመን ጸኒሑ፡ ካፒቶ ኻብቶም ጸረ ስላሴ ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ ብቐዳምነት ተሰርዐ።

ቮልፍጋንግ ካፒቶ፡ ቀንዲ ጕድለት ቤተ ክርስትያን ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት ሸለል ስለ ዝበለቶ’ ምዃኑ ይኣምን ነበረ

ካፒቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ሓቂ ኸም ዝዀነ ይኣምን ነበረ። “ኣብ ስነ ሃይማኖት፡ መጽሓፍ ቅዱስን ሕጊ ክርስቶስን ወትሩ ልዕሊ ዅሉ ኺስራዕ ኣለዎ” ድማ ይብል ነበረ። ዶክተር ኪተልሰን ከም ዝገልጾ፡ ካፒቶ፡ “ናይ ስነ ሃይማኖት ምሁራት ከንቱ ዀይኖም ኪተርፉ ዝኸኣሉ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ሸለል ስለ ዝበልዎ ምዃኑ ኣትሪሩ ይዛረብ ነበረ።”

ልክዕ ከም ካፒቶ፡ እቲ ማርቲን ቦራሁስ እውን ዚብሃል ማርቲን ሰላርየስ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ናይ ምፍላጥ ሓያል ባህጊ ነበሮ፣ እዚ መንእሰይ እዚ፡ ብ1526 ኣብ ቤት ካፒቶ ተቐሚጡ ነይሩ እዩ።

“ፍልጠት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ”

ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ እታ ማርቲን ሰላርየስ ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘወዳደረላ፡ ኦን ዘ ዎርክስ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ

ሰላርየስ ብ1499 እዩ ተወሊዱ፣ ትጉህ ተመሃራይ ስነ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ድማ እዩ ነይሩ። ኣብ ዊተንበርግ፡ ጀርመን ከኣ ይምህር ነበረ። ዊተንበርግ መበቈል እቲ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ስለ ዝነበረት፡ ሰላርየስ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ማርቲን ሉተርን ምስ ካልኦት ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ኪሕድስዎ ዚደልዩ ሰባትን ተላለየ። ኰይኑ ግና፡ ሰላርየስ ንሓሳባት ሰባት ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኺፈልዮ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ብመሰረት እታ ቲቺንግ ኦቭ ዘ ሪፎርሜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሰላርየስ፡ ናይ ሓቂ ምርዳእ ኪርከብ ዚኽእል፡ “ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጊህካ ብምንባብን ብተደጋጋሚ ንሓድሕዱ ብምንጽጻርን ንስሓ እተሓወሶ ጸሎት ብምጽላይን” ምዃኑ እዩ ዚኣምን ነይሩ። እሞኸ ኻብቲ ዝገበሮ ምርምር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ረኺቡ፧

ኣብ ሓምለ 1527፡ ሰላርየስ ነቲ እተረድኦ ነገራት ኣብታ ኦን ዘ ዎርክስ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፉ ኣሕተሞ። ቅጫን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ዚገልጽ ትምህርቲ ዜጠቓልል ሃይማኖታዊ ጽምብል ቤተ ክርስትያን፡ ምሳልያዊ ምዃኑ ድማ ጸሓፈ። ፕሮፌሰር ሮቢን ባርንስ ከም ዝገለጾ፡ እታ ሰላርየስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ፡ “ቅዱስ ጽሑፋዊ ትንቢታት ብዛዕባ ዘለዎ ትርጕም እውን ትገልጽ እያ፣ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚህሉ ሓፈሻዊ ጸበባን መከራን ዚህልወሉ እዋን፡ ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ብዛዕባ ዚህሉ ምሕዳስን ሓጐስን ትሕብር እያ።”—2 ጴጥሮስ 3:10-13

ሰላርየስ ብዛዕባ እንታይነት የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ሓጺር ርእይቶ፡ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ እዩ። ዋላ እኳ ብቐጥታ ንስላሴ እንተ ዘይተቓወሞ፡ “ሰማያዊ ኣቦ” ኻብቲ “ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ” እተፈልየ ምዃኑ ሓበረ፣ የሱስ ሓደ ኻብቶም ብዙሓት ኣማልኽቲ ኸም ዝዀነን ሓደ ኻብቶም ደቂ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑን ድማ ጸሓፈ።—ዮሃንስ 10:34, 35

ሮበርት ዋለስ ኣብታ ኣንቲትሪኒታሪያን ባዮግራፊ (1850) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ጽሑፋት ሰላርየስ ነቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ከም ቅቡል ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ሰረተ እምነት ስላሴ ዚስዕብ ኣይኰነን ነይሩ። * በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓያሎ ምሁራት፡ ሰላርየስ ንስላሴ ኸም ዝነጸጎ ገይሮም ደምዲሞም ኪዀኑ ኣለዎም።  “ፍልጠት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ክርስቶስን ኣብ ምስራጽ” ዓብዪ እጃም ዝነበሮ መሳርሒ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።

ንትምህርትታት ክርስትና ናብ ናይ ቀደሙ ምምላስ

ኣብ ከባቢ 1527፡ እቲ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ምሁራት ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ዮሃንስ ካምፓኑስ፡ ኣብ ዊተንበርግ ይቕመጥ ነበረ። ካምፓኑስ ብሃይማኖታዊ ተሓድሶ ተኸቢቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ብትምህርትታት ማርቲን ሉተር ግና ኣይዓገበን። ስለምንታይ፧

ካምፓኑስ፡ ኣብ እዋን ቅዱስ ቍርባን፡ ቅጫን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ንዚገልጽ ትምህርቲ ተቓወሞ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ሉተር ዚምህሮ ዝነበረ፡ ቅጫን ወይንን ምስ ስጋን ደምን የሱስ ብሓባር ከም ዚህሉ ዚገልጽ ትምህርቲ እውን ተቓዊምዎ እዩ። ኦንድሬ ሴጂኒ ዝስሙ ደራሲ ኸም ዝገለጾ፡ ካምፓኑስ፡ “እቲ ቕጫ ወትሩ ቕጫ እዩ፣ ኣብ እዋን ቅዱስ ቍርባን ግና፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንስጋ ክርስቶስ እዩ ዜመልክት” ኢሉ ይኣምን ነበረ። ኣብቲ ብ1529 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንምምይያጥ ኣብ ማርበርክ እተገብረ ኣኼባ፡ ካምፓኑስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸቦ ነገራት ንኺዛረብ ኣይተፈቕደሉን። ድሕሪኡ ድማ፡ በቶም ደለይቲ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ተጸልአ።

ዮሃንስ ካምፓኑስ ኣብታ ረስቲትዩሽን እትብሃል መጽሓፉ፡ ንሰረተ እምነት ስላሴ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ

ብፍላይ ነቶም ደለይቲ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ዘሕረቖም፡ ካምፓኑስ ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዝነበሮ እምነት እዩ ነይሩ። ካምፓኑስ ኣብታ ብ1532 ዝወጸት ረስቲትዩሽን እትብሃል መጽሓፉ፡ የሱስን ኣቦኡን ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም መሃረ። ካምፓኑስ ከም ዝገለጾ፡ ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ኸም ዝዀኑ፡ ማለት ሓድነት ከም ዘለዎም እኳ እንተ ተዘርበ፡ ክልተ ሰባት እዮም፣ ኣቦን ወድን “ሓደ” እዮም ኪብሃል ከሎ እውን ከምኡ ማለት እዩ። (ዮሃንስ 10:30፣ ማቴዎስ 19:5) ቅዱሳት ጽሑፋት እውን እንተ ዀነ፡ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዲ ስልጣን ከም ዘለዎ ንምግላጽ ተመሳሳሊ ምሳሌ ኸም ዚጥቀም፡ ካምፓኑስ ሓቢሩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ “ርእሲ ሰበይቲ . . . ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ዚገልጽ እዩ።—1 ቈረንቶስ 11:3

ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ካምፓኑስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “መንፈስ ቅዱስ ሳልሳይ ኣካል ከም ዝዀነ ዚሕብር ሓሳብ፡ ዋላ ሓንቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ድጋፍ የብሉን። . . . መንፈስ ኣምላኽ፡ ከም ዚዓዪ ሓይሊ ጌርካ እዩ ኺርአ ዘለዎ፣ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ንምድላውን ንምፍጻምን፡ ብመንፈሳዊ ሓይሉን ንጥፈቱን ኣቢሉ እዩ ዚጥቀም።”—ዘፍጥረት 1:2

ሉተር ንካምፓኑስ፡ ተጻራፍን ጸላኢ ወዲ ኣምላኽን ኢሉ ጸውዖ። ካልእ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ተሓድሶ ዚካፈል ዝነበረ ሰብ እውን፡ ካምፓኑስ ንኪቕተል ሓሳብ ኣቕረበ። ካምፓኑስ ግና በዚ ኣይተዳህለን። ዘ ራዲካል ሪፎርሜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝሓበረቶ፡ “ካምፓኑስ፡ ቤተ ክርስትያን ክትወድቕ ዝኸኣለት፡ ነቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ንሓደ ኣምላኽን ንሰብን ዚምልከት ሃዋርያውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ምርዳእ ስለ ዘየልቦ ምዃኑ፡ ብጽኑዕ ይኣምን ነበረ።”

ዕላማ ካምፓኑስ፡ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ምምስራት ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝገለጾ፡ “ኣብ ኑፋቐን መናፍቓንን” ንሓቂ ኺረክብ እኳ ሒዅ እንተ በለ፡ ኪረኽባ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንትምህርትታት ክርስትና ናብ ናይ ቀደሙ ኸም እትመልሶ ተስፋ ገይሩ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ ሰበ ስልጣን ካቶሊክ ንካምፓኑስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተውዎ፣ ንኣስታት 20 ዓመት ዚኸውን ድማ ተኣሲሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዚሕብርዎ፡ ካምፓኑስ ኣብ ከባቢ 1575 ሞይቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 “ንዅሉ መርምርዎ”

ካፒቶን ሰላርየስን ካምፓኑስን ካልኦትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት የጽንዕዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንሓቂ ኻብ ጌጋ ፈልዮም ኪርድእዎ ኽኢሎም እዮም። ካብቲ እዞም ደለይቲ ሓቂ ዝበጽሕዎ መደምደምታ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ ኵሉ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብትሕትና ንቕዱሳት ጽሑፋት መርሚሮምዎን ነቲ ዝፈለጥዎ ሓቂ ኣኽቢሮም ርእዮምዎን እዮም።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ንዅሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ” ኢሉ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብቲ ንሓቂ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ምእንቲ ኽትሕግዘካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሕቲሞም ኣለዉ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 7-8፡ ሕጡብ ጽሑፍ 14-17 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ናይ ግንቦት 2006 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ “ማይክል ሰርቪተስ—ንበይኑ ዀይኑ ሓቂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 እታ መጽሓፍ፡ ሰላርየስ ነታ ኣምላኽ (“god”) እትብል ቃል ከም እተጠቕመ ኽትገልጽ ከላ፡ “ነታ ድዩስ (deus) እትብል ደኣ እምበር፡ ነታ ድዩስ (Deus) እትብል ኣይተጠቕመን፣ ነዛ ዳሕረወይቲ ግና፡ ነቲ ዝለዓለ ኣምላኽ ንምምልካት ተጠቒሙላ እዩ” ትብል።