ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ግንቦት 2014

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ገበነኛታት ኪቕተሉ ኸለዉ፡ ኣእጋሮም ዚስበር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ጸብጻባት ወንጌል፡ የሱስን እቶም ኣብ ጕንዲ ስቅያት እተሰቕሉ ኽልተ ገበነኛታትን ብኸመይ ከም እተቐትሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣእጋሮም ሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ” ይብል።—ዮሃንስ 19:31

ሕጊ ኣይሁድ፡ ሬሳ ሓደ ኣብ ዕንጨይቲ እተቐትለ ገበነኛ ‘ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኺሓድር ከም ዘይብሉ’ እዩ ዚገልጽ። (ዘዳግም 21:22, 23) ኣይሁድ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብቶም ብሮማውያን ኣብ ዕጨይቲ ተሰቒሎም ዚቕተሉ ዝነበሩ ሰባት እውን የውዕልዎ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዅነታት፡ እቶም ገበነኛታት ኣእጋሮም እተሰብረ፡ ሞቶም ንምቅልጣፍን ዕራርቦ ጸሓይ ኰይኑ ሰንበት ቅድሚ ምጅማራ ንምቕባሮምን እዩ ነይሩ።

ብሞት ዚቕጻዕ ገበነኛ፡ ኣብ ኣእዳዉን ኣብ ኣእጋሩን ተሸንኪሩ ኣብ ጕንዲ ይስቀል ነበረ። እቲ ጕንዲ ቕንዕ ምስ በለ ድማ፡ ክብደቱ ኣብቲ እተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ስለ ዚዓርፍ፡ ብኸቢድ ቃንዛ እዩ ዚሳቐ ነይሩ። ኬስተንፍስ እንተ ደልዩ፡ በቲ እተሸንከረ ኣእጋሩ ብዝያዳ ንላዕሊ ኺደፍእ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ኣእጋሩ እንተ ተሰይሩ፡ ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ስቓይ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ኣየር ቀልጢፉ ይመውት።

ብግዜ ጥንቲ፡ ሰባት ብወንጭፍ ገይሮም ዚዋግኡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

ዳዊት ንጎልያድ ንምቕታል ብወንጭፍ እዩ ተጠቒሙ። ንኣጠቓቕማ ወንጭፍ ኪመሃሮ ዝኸኣለ ድማ፡ ጓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ሳሙኤል 17:40-50

ኣሶራውያን ወንጨፍቲ ንሓንቲ ዕርድቲ ኸተማ ኣይሁድ ኬጥቅዕዋ ኸለዉ ዜርኢ ቕርጺ

ኣብ ስነ ጥበብ ጥንታውያን ግብጻውያንን ኣሶራውያንን፡ ስእሊ ወንጭፍ ይርከብ እዩ። እዚ መሳርያ እዚ፡ ብቘርበት ወይ ብዓለባ እተሰርሐ ዓውዲ ወንጭፍ ዘለዎ፡ ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ድማ ምራን ወይ ገመድ እተኣስሮ እዩ። እቲ ነታ ወንጭፍ ዚጥቀመላ ሰብ፡ ካብ 5 ኽሳዕ 7.5 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓተን፡ 250 ግራም ድማ ዝኽብደተን ልሙጻት ወይ ከበብቲ ኣእማን ኣብ ቍርባበሻኡ የቐምጥ። ድሕሪኡ፡ ኣብታ ዓውዲ ወንጭፍ እምኒ ይገብር እሞ፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ልዕሊ ርእሱ ብምዛር ብሓይሊ ይውንጭፋ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እተገብረ ዅዕታ፡ ሰባት ብግዜ ጥንቲ ንውግእ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ ኣእማን ወንጭፍ ተረኺቡ እዩ። ክኢላታት ተዋጋእቲ፡ ንሓንቲ እምኒ ኣብ ሰዓት ካብ 160 ክሳዕ 240 ኪሎ ሜተር ብዚበጽሕ ፍጥነት ይውንጭፍዋ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምሁራት ብዛዕባ እቲ ወንጭፍን ቀስትን ኪበጽሖ ዚኽእል ርሕቀት ዘይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ወንጭፍ ልክዕ ከም ቀስቲ ሓደገኛ እዩ።—መሳፍንቲ 20:16