ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መጋቢት 2014

 ገበር | ኣምላኽ እንታይ ገይሩልካ፧

ኬምልጠካ ዘይብሉ በዓል

ኬምልጠካ ዘይብሉ በዓል

የሱስ ኣብ ድሮ እታ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበላ ምሸት፡ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ፡ ንመስዋእቱ ኺዝክርዎ ወይ ኬብዕልዎ መምርሒ ሃቦም። ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ተጠቒሙ ኸኣ፡ ነቲ “ድራር ጐይታ” ዚብሃል በዓል ሰርዐ፣ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዚብል ትእዛዝ ድማ ሃበ።—ሉቃስ 22:19

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሞት ክርስቶስ ንኼብዕሉ ኣብ ዓዓመት ይእከቡ እዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ በዓል ዝኽሪ፡ 14 ሚያዝያ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ ዚውዕል።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንኽትመጽእ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ መስዋእታዊ ሞት የሱስ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኺውሃብ እዩ። መእተዊ ዋጋ ብናጻ እዩ። እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ። እቲ ነዛ መጽሔት እዚኣ ዝሃበካ ሰብ፡ ነቲ በዓል ዝኽሪ እነኽብረሉ ሰዓትን ቦታን ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ jw.org ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። እቲ በዓል እቲ ምእንቲ ኸየምልጠካ፡ ነቲ ሰዓትን ቦታን ኣብ መዝገብካ ኣስፍሮ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ዝኽሪ ሞት የሱስ

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ኬብዕሉ ዓመት ዓመት ይእከቡ እዮም። እዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ ብኸመይ ኪጸልወካ ኸም ዚኽእል ክትምሃር ተዓዲምካ ኣለኻ።