ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መጋቢት 2014

ቃል ኣምላኽ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ እተዘርግሓሉ መገዲ

ቃል ኣምላኽ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ እተዘርግሓሉ መገዲ

“ናብ ስጳኛ ክኸይድ ከለኹ፡ ክርእየኩም፡ ናፍቖተይ ምስ ወዳእኩ ድማ ከተፋንዉኒ ተስፋ እገብር።”—ሮሜ 15:24

ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን፡ ብ56 ድ.ክ. ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ናብ ስጳኛ ኸይዱ እንተ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ጳውሎስ ወይ ከኣ ካልኦት ክርስትያን ሚስዮናውያን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ስጳኛ በጽሐ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክርስትያናት ኣብ ስጳኛ ኺስስኑ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብኡ ዚነብሩ ክርስትያናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብላቲን ኪትርጐመሎም ኣድለየ። ከመይሲ፡ ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ስጳኛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ እያ ነይራ፣ ላቲን ድማ ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዚዝረብ ዝነበረ ቛንቋ እዩ ነይሩ።

ብላቲን እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ

ቀዳሞት ስጳኛውያን ክርስትያናት፡ “ወቱስ ላቲና ሂስፓና” ዚብሃል ሓያሎ ትርጕማት ላቲን ኣዳልዮም ነይሮም እዮም። እዚ ብላቲን እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ክሳዕ እቲ ጀሮም ነቲ ህቡብ ዝነበረ ብላቲን እተዳለወ ቩልጌት ዝዛዘመሉ መጀመርታ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ.፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስጳኛ ተዘርጊሑ እዩ።

እቲ ጀሮም ኣብ ቤት-ልሄም፡ ፍልስጥኤም ኰይኑ ዝዛዘሞ ትርጕም፡ ብቕልጡፍ ኣብ ስጳኛ በጽሐ። ሉሲንዩስ ዝስሙ ሃብታም ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጀሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ላቲን ይትርጕሞ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ሓንቲ ቕዳሕ እቲ ሓድሽ ትርጕም ብቕልጡፍ ኪረክብ ደለየ። ንሽዱሽተ ጸሓፍቲ ናብ ቤት-ልሄም ብምልኣኽ ድማ፡ ነቲ ጽሑፍ ከም ዚቐድሕዎን ናብ ስጳኛ ሒዞምዎ ኸም ዚመጹን ገበረ። ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ቩልጌት ቀስ ብቐስ ነቲ “ወቱስ ላቲና ሂስፓና” ተክኦ። እቲ ብላቲን እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ንተቐማጦ ስጳኛ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኼንብብዎን ንመልእኽቱ ንኺርድእዎን ኣኽኢልዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ምስ ወደቐ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ ቋንቋ ኺዳሎ ኣድለየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀጸላ እምኒ

ኣብ ሓምሻይ ዘመን፡ ቪሲጎት ዚብሃሉ ዓሌት ጀርመንን ካልኦት ዓሌታት ጀርመንን ንስጳኛ ወረሩዋ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሓድሽ ቋንቋ፡ ማለት ቋንቋ ጎት ናብ ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ መጸ። እቶም ወረርቲ፡ ኣርያንነት ዚብሃል ንሰረተ እምነት ስላሴ ዚነጽግ ዓይነት ክርስትና እዮም ዚስዕቡ ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ኣልፋላስ ዚብሃል ሰብ ብቛንቋ ጎት ንዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳታቶም ሒዞምዎ መጹ። ክሳዕ መወዳእታ ሻድሻይ ዘመን፡ ስጳኛውያን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ እዮም ዜንብቡ ነይሮም፣ ድሕሪኡ ግና፡ እቲ ሬካረድ ዝስሙ ንጉስ ዓሌት ቪሲጎት፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ስለ ዝዀነ፡ ንኣርያንነት ብወግዒ ነጸጎ። ብምሉኡ መጻሕፍቲ ኣርያንነት፡ እንተላይ እቲ ኣልፋላስ ዘዳለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣኪቡ ኸም ዚጠፍእ ድማ ገበረ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብምሉኡ ጽሑፋት ቋንቋ ጎት ካብ ስጳኛ ጠፍአ።

ኣብ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ፡ ብላህጃ ላቲን እተጻሕፈ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ቐጸላ እምኒ

ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ስጳኛ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ እዩ። ኣብ ስጳኛ፡ ቋንቋ ጎት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ላህጃ ላቲን እውን ብሰፊሑ ይዝረብ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ጸኒሑ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ ኺዝረብ ዝጀመረ ቛንቋታት ሮማንስ መሰረት ኰይንዎ እዩ። * በዚ ላህጃ ላቲን እዚ እተዳለወ ጥንታዊ ሰነዳት፡ ኣብ ቍርጽራጽ ቀጸላ ስለ እተጻሕፈ፡ “ቪሲጎትያዊ ቐጸላ እምኒ” ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። እቲ ሰነዳት ካብ ሻድሻይ ክሳዕ ሻውዓይ ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ተዳልዩ፣ ካብ መዝሙርን ካብ ወንጌላትን እተወስደ ጥቕስታት ዝሓዘ ኸኣ  እዩ ነይሩ። ሓደ ቐጸላ እሞ ኸኣ፡ መዝሙር 16 ብምልእታ እተጻሕፎ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ቀጸላ እምኒ ተጻሒፉ እተረኽበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ተራ ሰባት ንቓል ኣምላኽ ኬንብብዎን ኪቐድሕዎን ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። መምህራን እውን ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም፡ ነቶም ምንባብን ምጽሓፍን ዚምሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮኦም ዕዮ ይህብዎም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቐጸላ እምኒ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ብስእሊ ዝወቀበ መጽሓፍ ቅዱሳት ንምድላው ተባሂሉ ኣብ ገዳማት ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ኽቡር ብራና ኺወዳደር ከሎ፡ ሕሱር እዩ ነይሩ።

“ተቐማጦ ስጳኛ ኻብቶም ቅድሚ ዘመነ ሉተር ዝነበሩ ጀርመናውያን ወይ እንግሊዛውያን ንላዕሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ ይፈልጥዎ ነበሩ።”—ዃን ኦርቲስ ጎንዛለስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ

ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ብስእሊ ዝወቀበ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ኣብ ሌዮን፡ ስጳኛ ኣብ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ሳን ኢሲዶሮ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብ960 ድ.ክ. እተዳለወ ዀይኑ፡ 1028 ገጻት ኣለዎ፣ ብዘይካዚ፡ 47 ሰንቲ ሜተር ብ34 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓቱን ኣስታት 18 ኪሎ ግራም ዚኽብደቱን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ካልእ ከምኡ ዝበለ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን ዚርከብ “ሪፖል” ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ፡ ብ1020 ድ.ክ. እዩ ተዳልዩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ካብ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱሳት ንላዕሊ፡ ብስእልታት ዝወቀበ እዩ ነይሩ። ምናልባት ሓደ ፈላሲ ነዚ ዜደንቕ ጽሑፍ እዚ ንምድላው፡ ምሉእ መዓልቲ ንሓንቲ ፊደል ኪጽሕፍ ይውዕል፡ ወይ ከኣ ምሉእ ሰሙን ነቲ ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ ብምድላው የሕልፎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝነበረ፡ መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ናብ ተራ ሰባት ከም ዚበጽሕ ኣይገበረን።

ብዓረብኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ሻምናይ ዘመን፡ ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ ብሰዓብቲ እምነት ምስልምና ስለ እተወርረት፡ ኣብ ስጳኛ ኻልእ ቋንቋ ሱር ኪሰድድ ጀመረ። ኣብቲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እተቘጻጸርዎ ኸባቢ፡ ዓረብኛ ንላቲን ስለ ዝዓብለሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዓረብኛ ኺዳሎ ኣድለየ።

እቲ ብላቲንን ብዓረብኛን እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ስጳኛውያን ካብ ሓምሻይ ክሳዕ ሻምናይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን ንቓል ኣምላኽ ንኼንብብዎ ኣኽኢልዎም እዩ

ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዓረብኛ፡ ብፍላይ ከኣ ወንጌላት፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሻምናይ ዘመን፡ ጆን ዝስሙ ጳጳስ ሰቪል፡ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዓረብኛ ተርጒምዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኡ ትርጕማት ዓረብኛ  ጠፊኡ እዩ። ኣብ መፋርቕ ዓስራይ ዘመን ዝነበረ ብዓረብኛ እተተርጐመ ወንጌል፡ ኣብ ሌዮን፡ ስጳኛ ኣብ ዚርከብ ካተድራል ተቐሚጡ ኣሎ።

ኣብ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ብዓረብኛ እተተርጐመ ወንጌል

ትርጕማት ስጳንኛ ተቐልቀለ

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ማእከላይ ዘመን፡ ካስቲልኛ ወይ ስጳንኛ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ ኼስፋሕፍሕ ጀመረ። እዚ ሓድሽ ቋንቋ እዚ፡ ጸኒሑ ኣብ ምስፍሕፋሕ ቃል ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ እዩ። * እቲ ናብ ስጳንኛ እተተርጐመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ኣብ መበል 13 ዘመን ዝነበረ ላ ፋሲንዳ ደ ኣልትራ ማር (ሰነድ ስምምዕ ስግር ባሕሪ) ወጺኡ ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ናብ እስራኤል እተገብረ ጕዕዞ ዚሓቍፍ እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ንገለ ኻብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ወንጌላትን መልእኽትታትን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

ንጉስ ኣልፎንሶ ዓስራይ፡ ንዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ስጳንኛ ደገፎ

ይኹን እምበር፡ ሓለፍቲ ቤተ ክርስትያን በቲ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተሓጐሱን። ብ1234 ዋዕላ ታራጎና፡ በቲ ናይታ ሃገር ቋንቋ እተዳለወ ዅሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ምእንቲ ኺነድድ፡ ኣብ ከከባቢኡ ንዚርከቡ ኻህናት ኪውሃብ ከም ዘለዎ ኣወጀ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቲ ኣዋጅ ንዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ደው ኣየበሎን። ከመይሲ፡ እቲ ንስጳንኛ ኣብ ጽሑፍ ከም ዚሰፍር ዝገበረ ንጉስ ኣልፎንሶ ዓስራይ (1252-1284)፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብቲ ሓድሽ ቋንቋ ኺትርጐም ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ዕዮ ትርጕም ደጊፍዎ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ እተዳለወ ዝዓበየ ትርጕማት ስጳንኛ፡ “ቅድመ ኣልፎንሳይን” ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስን ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ዝወጸ “ኣልፎንሳይን” ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።

ካብቲ ኣብ መበል 13 ዘመን ዝነበረ “ቕድመ ኣልፎንሲን”ን (ጸጋም) “ኣልፎንሲን”ን (የማን) ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱሳት እተወስደ ገጻት

ክልቲኡ እቲ ትርጕማት፡ ነቲ ሓድሽ ዝነበረ ስጳንኛ ኸም ዚዓቢ ገይርዎ እዩ። ቶማስ ሞንትጎመሪ ዝስሙ ምሁር፡ ብዛዕባ እቲ “ቕድመ ኣልፎንሳይን” ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ተርጓሚ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልክዕነትን ብኣጠቓቕማ ምዕሩግ ቋንቋን ዝመጸ፡ ዜደንቕ ዕዮ እዩ ዓይዩ። . . . እቲ እተጠቕመሉ ቛንቋ፡ ቀሊልን ንጹርን እዩ፣ ነቶም ላቲን ዘይክእሉ ሰባት ድማ ከምኡ ዓይነት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኺዳለወሎም ነይርዎ” በለ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱሳት ስጳንኛ፡ ካብቲ በዅሪ ቛንቋታት ዘይኰነስ፡ ብላቲን ካብ እተዳለወ ቩልጌት እዩ ተተርጒሙ። ኰይኑ ግና፡ ካብ መበል 14 ዘመን ንነጀው፡ ኣይሁዳውያን ምሁራት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ኻብ እብራይስጢ ናብ ስጳንኛ ብምትርጓም፡ ሓያሎ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣዳልዮም እዮም። ከመይሲ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ኣብ ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ ንላዕሊ፡ ኣብ ስጳኛ ብዙሓት ኣይሁድ ነይሮም እዮም፣ እቶም ኣይሁዳውያን ተርጐምቲ ኸኣ፡ ንኺትርጕሙ ዜኽእሎም ቅኑዕ ሓሳባት ዝሓዘ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐሊሉ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። *

ሓደ ኻብቲ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና፡ እቲ ኣብ መበል 15 ዘመን እተዛዘመ፡ “ኣልባ” ዚብሃል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ልዊስ ደ ጉስማን ዝስሙ ህቡብ ስጳኛዊ ልዑል፡ ንረቢ ሞይሰስ ኣራኸል፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካስቲሶ (ጽሩይ) ስጳንኛ ኺትርጕሞ መዘዞ። ከምኡ ዝገበረ፡ ብኽልተ ምኽንያት እዩ ነይሩ። ቀዳማይ፡ “እቲ ሕጂ ብቛንቋ ሮማንስ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግጉይ እዩ፣” ካልኣይ፡ “ከማና ዝበሉ ሰባት፡ ነቲ ዘይንጹር ሓሳባት ዜብርህ ሕድጋት የድልዮም እዩ።” እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብዎን ኪርድእዎን ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ስጳኛ ብቛንቋ ኣደ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እዩ።

ሳላ እቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበሩ ተርጐምትን ቀዳሕትን፡  ኣብ ስጳኛ ዝነበሩ እተማህሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከይተጸገሙ ብቛንቋኦም ኬንብብዎ ኽኢሎም እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ከምቲ ዃን ኦርቲስ ጎንዛለስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ዝገለጾ፡ “ተቐማጦ ስጳኛ ኻብቶም ቅድሚ ዘመነ ሉተር ዝነበሩ ጀርመናውያን ወይ እንግሊዛውያን ንላዕሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ ይፈልጥዎ ነበሩ።”

ካብቲ ኣብ ሌዮን ዚርከብ ብስእሊ ዝወቀበ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ። ከምዚ ዝበለ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣዝዩ ኽቡር እኳ እንተ ነበረ፡ መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ናብ ተራ ሰባት ከም ዚበጽሕ ኣይገበረን

ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ መበል 15 ዘመን፡ ፍርዲ መናፍቓን ስጳኛ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ ኣደ ምትርጓምን ምውናንን ከልከለ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስጳኛ ንነዊሕ እዋን ተኣገደ። ከምኡ ኢሉ ድማ ንሰለስተ ዘመናት ቀጸለ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን፡ ሒደት ተባዓት ተርጐምቲ፡ ካብ ስጳኛ ወጻኢ ሓድሽ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ብምድላው ሓቢኦም ናብ ስጳኛ ኣእትዮምዎ እዮም። *

እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ታሪኽ፡ ተጻረርቲ ንቓል ኣምላኽ ብተፈላለየ መገዲ ንኺዓብጥዎ ሒዅ ከም ዝበሉ ዜርኢ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንቓል እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስቕ ኬብልዎ ኣይከኣሉን።—መዝሙር 83:1፣ 94:20

ሳላ እቲ ብዙሓት ምሁራት ዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ ሱር ኪሰድድን ኪዝርጋሕን ከኣለ። ዘመናውያን ተርጐምቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣሰር እቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ላቲንን ቋንቋ ጎትን ዓረብኛን ስጳንኛን ዝተርጐምዎ ቐዳሞት ስዒቦም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተዛረብቲ ስጳንኛ፡ ንቓል ኣምላኽ በቲ ንልቦም ኪትንክፎ ዚኽእል ቋንቋ ኼንብብዎ ኽኢሎም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 10 እቲ ቛንቋታት፡ ካስቲልኛን ካታልኛን ጋሊሽኛን ፖርቱጋልኛን ዜጠቓልል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 17 ሎሚ ስጳንኛ ንኣስታት 540 ሚልዮን ሰባት፡ ቋንቋ ኣዲኦም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 20 ነታ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2011 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸት፡ “መለኮታዊ ስምን ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ቕኑዕ ጽሑፍ ንምድላው ዝገበሮ ጻዕርን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 23 ነታ ኣብ ናይ 1 ሰነ 1996 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸት፡ “ካሴዶሮ ደ ሬና ምእንቲ ናይ ስፓንሽ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ዝገበሮ ቃልሲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።