ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ጥሪ 2014

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ የሱስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ብኸመይ እዩ ዚምጽወት ነይሩ፧

እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መመጽወቲ፡ ኣብ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዚርከብ ነይሩ። እታ ዘ ቴምፕል—ኢትስ ሚኒስትሪ ኤንድ ሰርቪስስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ዙርያኡ ዓንድታት ዘለዎ ኮሪዶር ነበረ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓንድታት፡ ኣብቲ መንደቕ እተጸግዐ፡ ዚምጽወተሉ ዓሰርተው ሰለስተ መመጽወቲ ወይ ‘ጥሩምባ’ ድማ ነበረ” በለት።

እቲ መመጽወቲ፡ “ጥሩምባ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝኸኣለ፡ ኣብ ላዕላይ ክፋሉ ጸቢብ፡ ኣብ ታሕታዩ ኸኣ ገፊሕ ስለ ዝነበረ እዩ። ነፍሲ ወከፍ መመጽወቲ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዚውዕል ዚገልጽ ጽሑፍ ነበሮ፣ እቲ ኻብኡ እተኣከበ ገንዘብ ድማ፡ ኣብቲ እተዓለመሉ መዓላ ይውዕል ነበረ። የሱስ ነቶም ዚምጽውቱ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ነታ ድኻ መበለት ዝረኣዮም፡ ኣብ ኣጸድ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 21:1, 2

ነቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዚኽፈልን ንናይ ዝሓለፈ ዓመት ዚኸውንን ግብሪ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ክልተ መመጽወቲ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ኻብ ሳልሳይ ክሳዕ ሻውዓይ ዝነበረ መመጽወቲ፡ ንመዐደጊ ረገቢትን ጨቓዊት ርግብን ዕንጨይትን ዕጣንን እቲ ብወርቂ ዚስራሕ ኣቕሑን ዚኸውን ገንዘብ ዚምጽወተሉ እዩ ነይሩ። ሓደ መጽዋቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ዚኸፍሎ ገንዘብ እንተ ተሪፍዎ፡ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ መመጽወቲ የእትዎ ነበረ። እቲ ሻምናይ መመጽወቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተረፈ ገንዘብ ዚቕመጠሉ እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ታሽዓይ ክሳዕ መበል 12 ዝነበረ መመጽወቲ ድማ፡ ካብ መስዋእቲ በደልን ካብ መስዋእቲ ኣዕዋፍን ካብ መስዋእቲ ናዝራውያንን ካብ መስዋእቲ እቶም ዝነጽሁ ድዉያትን ዝተረፈ ገንዘብ ዚቕመጠሉ እዩ ነይሩ። እቲ መበል 13 መመጽወቲ፡ ብፍታው ዚግበር ምጽዋት ዚቕመጠሉ እዩ ነይሩ።

እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሉቃስ፡ ብልክዕ ዚጽሕፍ ጸሓፍ ታሪኽ ድዩ ነይሩ፧

ሉቃስ ነታ ብስሙ እተሰምየት ወንጌልን ንግብሪ ሃዋርያትን ጽሒፍወን እዩ። ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ ‘ንዅሉ ኻብ መሰረቱ ብልክዕ መርሚርዎ’ እዩ፣ ገሊኦም ምሁራት ግና፡ ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ ፍጻመታት ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ እዮም። (ሉቃስ 1:3) እሞኸ ሉቃስ ብልክዕ ድዩ ጽሒፉ፧

ሉቃስ፡ ኪረጋገጽ ዚኽእል ታሪኻዊ ሓቅታት ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ መዓርግ ሰበ ስልጣን ሮሜ ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ኣብ ፊልጲ ብዛዕባ ዝነበሩ ኣመሓደርትን ኣብ ተሰሎንቄ ብዛዕባ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ከተማን ኣብ ኤፌሶን ብዛዕባ ዝነበሩ ሰብ መዚ በዓላትን ጸወታታትን ሓቢሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:20፣ 17:6፣ 19:31) ብዘይካዚ፡ ሄሮድስ ኣንጢጳስ “ገዛኢ ኣውራጃ፡” ሰርግዮስ ጳውሎስ ከኣ “ምስለኔ” ቆጵሮስ ከም ዝነበሩ ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:1, 7

ሉቃስ ንመዓርጋት ዝጠቐሰሉ ልክዕ መገዲ፡ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኵነታት ግዝኣት ሮሜ ምስ ተቐየረ፡ መዓርጋት ሰበ ስልጣን እውን ተቐዪሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሩስ ሚትስገር ዚብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝሓበሮ፡ “እዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ መወከሲታት፡ ምስቲ ዚዝረበሉ ዘሎ ቦታን ግዜን ብዚተሓሓዝ፡ ልክዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ እዩ።” ዊልያም ራምሴ ዚብሃል ምሁር እውን፡ ንሉቃስ፡ “ልዑል ደረጃ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ምሁር” ኢልዎ ኣሎ።