ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ  |  ጥሪ 2014

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ኣምላኽ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ እዩ። ንሰማይን ንምድርን ንዅሎም ህያዋን ፍጥረታትን ዝፈጠሮም ንሱ እዩ። መጀመርታ ስለ ዘይብሉ ግና፡ ንዕኡ ዝፈጠሮ የልቦን። (መዝሙር 90:2) ኣምላኽ፡ ሰባት ኬናድይዎን ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡን ይደሊ እዩ።ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27 ኣንብብ።

ንኣምላኽ ብስሙ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገራት ብምስትንታን፡ ገሊኡ ባህርያቱ ኺፍለጥ ይከኣል እዩ። (ሮሜ 1:20) ብዚግባእ ምእንቲ ኽንፈልጦ ግና፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ ኣሎና። ከመይሲ፡ ነቲ ተፈታዊ ባህርያት ኣምላኽ ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።መዝሙር 103:7-10 ኣንብብ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት እንታይ ይስምዖ፧

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይጸልእ እዩ። ንደቂ ሰብ ድማ ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም። (ዘዳግም 25:16) ብኸምኡ ኸኣ ኢና መብዛሕትና ዘይፍትሓዊ ነገራት እንጸልእ። ኣምላኽ በቲ ዜጋጥም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ነገራት ተሓታቲ ኣይኰነን። ንሱ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ እተዋህቦም ናጽነት ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይገብሩ እዮም። እዚ ኸኣ ንልቢ የሆዋ የጕህዮ እዩ።ዘፍጥረት 6:5, 6፣ ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።

የሆዋ ፍትሒ ስለ ዚፈቱ፡ ንዘይፍትሓዊ ነገራት ስቕ ኢሉ ኣይኪርእዮን እዩ። (መዝሙር 37:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዜጥፍኦ ይመባጻዕ እዩ።2 ጴጥሮስ 3:7-9, 13 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ፍትሒ ኸም ዜስፍን ይመባጻዕ