ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ታሕሳስ 2013

 ንኣምላኽ ቅረቦ

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

ንስኻን ስድራ ቤትካን ጽቡቕ ጥዕና ኺህልወኩምን ነዊሕ እዋን ክትነብሩን ትደሊዶ፧ ስቓይን መከራን ሞትን ኣብ ዘይብላ ዓለም ንኽትነብር ሃረር ትብልዶ፧ ከምዚኣ ዓይነት ዓለም፡ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነትን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብመሰረት ዕላማ የሆዋ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ እያ። መፈጸምታ እቲ ዕላማ ኣብ ራእይ 21:3-5 ብኸመይ ከም እተገልጸ እስከ ርአ።—ኣንብብ።

“[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ።” (ራእይ 21:4) እንታይ ዓይነት ንብዓት እዩ ኺድረዝ፧ ናይ ሓጐስ ንብዓት ወይ ከኣ እቲ ንኣዒንትና ዚከላኸለልና ንብዓት ኣይኰነን ኪድረዝ። መብጽዓ ኣምላኽ፡ እቲ ብሰንኪ መከራን ጓህን ዚፈስስ ንብዓትና ኸም ዚድረዝ እዩ ዚገልጽ። ኣምላኽ ንንብዓትና ንግዜኡ ጥራይ ኣይኰነን ኪሕብሶ፣ ነቲ ኸም እንነብዕ ዚገብረና ነገራት፡ ማለት ንመከራን ንጓህን ምሉእ ብምሉእ ብምውጋድ፡ ንንብዓትና ኺደርዞ እዩ።

“ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን።” (ራእይ 21:4) ካብቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ንላዕሊ እሞ ንሰባት ከም ዚነብዑ ዚገብሮም እንታይ ኣሎ፧ የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ፡ ካብ ሞት ሓራ ኼውጽኦም እዩ። ብኸመይ፧ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ዝዀነ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብምጥፋእ እዩ ኸምኡ ዚገብር። (ሮሜ 5:12) ንእዙዛት ደቂ ሰብ ድማ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖም እዩ። * ድሕሪኡ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት፡ ‘ኪስዓር እዩ።’ (1 ቈረንቶስ 15:26) እሙናት ደቂ ሰብ፡ ከምቲ ኣምላኽ ፈለማ ዝዓለመሎም፡ ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።

“ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) እቲ ዚጠፍእ ስቓይ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዚመጽእ፡ ንህይወት ሚልዮናት ድማ ዚጐድእ ዘሎ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ስቓይ እዩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ንብዓትን ሞትን ስቓይን ዘይብሉ ህይወት ኪመጽእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣበይ እዩ ዚመጽእ፧ መብጽዓ ኣምላኽ፡ ንሰማያዊ ህይወት ድዩ ዜመልክት፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሱ፡ ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። ከምኡ ዘይኰነሉ ምኽንያት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ እቲ መብጽዓ፡ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ” ከም ዚኸውን ብምግላጽ እዩ ዚጅምር፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ። (ራእይ 21:3) ካልኣይ፡ እቲ መብጽዓ ብዛዕባ እታ ‘ሞት ዘይህልወላ’ ዓለም እዩ ዚገልጽ፣ እዛ ዓለም እዚኣ ድማ፡ ሞት ዝነበራ ግናኸ ዚጠፍኣላ ቦታ እያ። ኣብ ሰማይ፡ ሞት ሃልዩ ኣይፈልጥን እዩ፣ ኣብ ምድሪ ግና ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዓልና ዝሓሸ ህይወት፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እዩ ዚፍጸም።

ኣምላኽ ነቲ ብሰንኪ መከራን ጓህን ዚፈስስ ማእለያ ዘይብሉ ንብዓት ኪደርዞ እዩ

የሆዋ ነቲ ብዛዕባ እታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ መብጽዓኡ ኽንኣምኖ ይደልየና እዩ። ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ በረኸት ድሕሪ ምግላጹ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ” በለ። (ራእይ 21:5) ንስኻን እቶም እትፈትዎም ሰባትን፡ ብኸመይ ካብ መንጎ እቶም መብጽዓ ኣምላኽ ብዓብዪ ኽብሪ ኺፍጸም ከሎ ዚርእዩ ሕጉሳት ኣምለኽቲ ኽትኰኑ ኸም እትኽእሉ ስለምንታይ ብዝያዳ ዘይትምሃሩ፧

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።