ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ታሕሳስ 2013

 ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ ምግልጋል ሞያይ ገበርክዎ

ንየሆዋ ምግልጋል ሞያይ ገበርክዎ

ኣብ ጥሪ 1937 ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ማእከላይ ምዕራብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣየዋ ኣተኹ። ብምኽንያት ትምህርትን ናይ ትምህርቲ ወጻኢታተይ ንምሽፋን ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስራሕን፡ ንኻልእ ነገራት ዚኸውን ግዜ ኣይነበረንን። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ብዛዕባ ነዋሕቲ ህንጻታትን ዝተንጠልጠለ ድልድላትን ምጽናዕ ባህ ይብለኒ ነይሩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ እትኣቱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ማለት ኣብ መጀመርታ 1942፡ ኣብ ሓምሻይ ዓመት ትምህርቲ እየ ነይረ፣ ብምህንድስና ስነ ህንጻ ናይ ባችለር ዲግሪ ክቕበል ድማ ቍሩብ ተሪፉኒ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ቤት ሰለስተ ዄንና ኢና እንነብር ኔርና። ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ ምስ ሓደ ነቶም “ኣብ ታሕተዋይ ቤት ዘለዉ ኣወዳት” ዚበጽሖም ሰብኣይ ክዘራረብ ነገረኒ። በዚ ኸምዚ ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ጆን ኦ. (ጆኒ) ብሪመር ተላለኹ። በቲ ንዝዀነ ይኹን ሕቶ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሰሉ መገዲ ድማ ኣዝየ እየ ተደኒቐ። በዚ ስለ እተሰሓብኩ፡ ምስ ጆኒ ኣዘውቲረ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ፣ ጸኒሐ ኸኣ ብዚከኣለኒ ዓቕሚ ኣብ ዕዮ ስብከት አሰንዮ ነይረ።

ኦቶ ኣቦ ጆኒ፡ ኣብ ዎልናት፡ ኣየዋ፡ ፕረዚደንት ባንክ ከሎ እዩ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጅምር ስለ ዝደለየ ግና፡ ነቲ ስራሕ ኣቋሪጽዎ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ናቱን ናይ ስድራ ቤቱን ሰናይ ኣብነት፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ንኽገብር ኣተባቢዑኒ እዩ።

ውሳነ ዝገበርኩሉ ግዜ

ሎሚ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ሊቨንዎርዝ። ኣስታት 230 እንኸውን ኣብኡ ተኣሲርና ነበርና

ሓደ መዓልቲ፡ ዲን (ወይ ሓላፊ) እቲ ዝምሃረሉ ዝነበርኩ ዩኒቨርሲቲ፡ ነጥበይ ስለ ዝነከየ፡ ክምረቕ ከም ዘይክእል ነገረኒ። መምርሒ ምእንቲ ኺህበኒ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣበርቲዐ ኽጽሊ ትዝ ይብለኒ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ምህንድስና ዚምህረኒ ዝነበረ ፕሮፌሰር ኬዘራርበኒ ደልዩ ጸውዓኒ። ሓደ ቤት ጽሕፈት፡ መሃንድስ ደልዩ ናብኡ ኸም ዝጸሓፈ፡ ንሱ ድማ ኣነ ነቲ ስራሕ ከም ዝቕበሎ ገይሩ ብቴሌግራም መልሲ ኸም ዝለኣኸ ነገረኒ። ዋላ እኳ ነቲ ፕሮፌሰር እንተ ኣመስገንክዎ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሞያይ ክገብሮ ኸም ዝቘረጽኩ ግና ገለጽኩሉ። ብ17 ሰነ 1942 ድማ ተጠመቕኩ፣ ዳርጋ ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ሓደ ኻብቶም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለምቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ።

ጸኒሑ ብ1942 ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንክኽተብ ዚሓትት መጸዋዕታ በጽሓኒ፣ ኣብ ቅድሚ ቦርድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀሪበ ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ንኽካፈል ሕልናይ ስለምንታይ ከም ዘይፈቕደለይ ገለጽኩ። እቶም ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ፕሮፌሰራት ዝጸሓፍዎ፡ ጽቡቕ ባህርይን ከም መሃንድስ ስነ ህንጻ መጠን ፍሉይ ክእለትን ከም ዘሎኒ ዚገልጽ ሓሳብ ዘለዎ ሰነድ ኣቕረብኩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ ኣወንታዊ ርእይቶ እኳ እንተ ቐረበ፡ ኣብ መወዳእታኡ 10,000 ዶላር ክኸፍልን ኣብቲ ኣብ ሊቨንዎርዝ፡ ካንዛስ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰርን ተፈረድኩ።

ህይወት ቤት ማእሰርቲ

ልዕሊ 230 ዚዀኑ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ ቦታ ሕርሻ እውን ዝነበሮ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ሊቨንዎርዝ ተኣሲሮም ነበሩ። ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ብዙሓት ሓለውቲ ዄንና  ድማ፡ ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ንሰርሕ ነበርና። ገለ ኻብቶም ሓለውቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ስለ ዝፈለጡ፡ ብዛዕባና ጽቡቕ ርእይቶ ነበሮም።

ሒደት ሓለውቲ ነቲ ብስሩዕ እንገብሮ ዝነበርና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣኼባ ንኽንቅጽሎ ይተሓባበሩና ነበሩ። ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ንኺኣቱ እውን ይሕግዙና ነበሩ። እቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ እሞ ኸኣ፡ ናይ መጽሔት ንቕሑ! ኰንትራት ኣትዩ ነይሩ እዩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእን ዕዮ ሚስዮናውነትን

ካብቲ እተፈርደኒ ሓሙሽተ ዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ምስ ተኣሰርኩ፡ ብ16 ለካቲት 1946 ተፈታሕኩ፣ ሽዑ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዚዛዘም ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ገይሩ ነይሩ። ብኡብኡ ፈላሚ ብምዃን እንደገና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ኣብ ከተማ ሊቨንዎርዝ፡ ካንዛስ ምስ ተመደብኩ ግና፡ ኣብቲ ኸባቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመና ይጽልኡ ስለ ዝነበሩ ፈራህኩ። ርእሰይ ዝድግፈሉ ስራሕን ዝነብረሉ ቤትን ምርካብ እውን ኣጸገመኒ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሓላዊ፡ “ኪድ ውጻእ!” ኢሉ ኺጭድረለይ ትዝ ይብለኒ። ኣብ ኢዱ ናይ በይዝ ቦል መጻወቲ ዕንጨይቲ ኸም ዝሓዘ ምስ ረኣኹ፡ ብፍርሂ ቐልጢፈ ወጻእኩ። ኣብ ካልእ ቤት ድማ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ሓንሳእ ተጸበየኒ” ኢላትኒ ነቲ ማዕጾ ዓጸወቶ። ኰይኑ ግና፡ ኣብኡ ደው ኢለ እናተጸበኽዋ፡ ካብ ላዕሊ ብመስኰት ረሳሕ ማይ ደፍኣትለይ። ምስናይዚ ዅሉ ግና፡ ብኣገልግሎተይ ተባሪኸ እየ። ጸኒሐ፡ እቶም ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦም ዝነበርኩ ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ሰማዕኩ።

ብ1943 ኣብ ኒው ዮርክ ንሚስዮናውያን ዚኸውን ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብኡ ኽመሃር ጻውዒት ቀረበለይ፣ ብ8 ለካቲት 1948 ድማ ካብ ዓስራይ ክፍሊ ተመረቕኩ። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ እዩ ነይሩ። ምስ ተመረቕኩ፡ ኣብ ጎልድ ኮስት (ሕጂ ጋና) ኸገልግል ተመደብኩ።

ኣብ ጎልድ ኮስት ምስ በጻሕኩ፡ ንሰበ ስልጣን መንግስትን ንኤውሮጳውያንን ክሰብከሎም ተመደብኩ። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ምስ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዓዪ ነበርኩ፣ ንኣባላተን ድማ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እሕግዞም ነበርኩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብ ግሉል ቦታ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እበጽሖምን ኣብ ኣገልግሎት አሰልጥኖምን ነበርኩ። ብዘይካዚ፡ ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ናብ ኣይቮሪ ኮስት (ሕጂ ኮት ዲቭዋር) እኸይድ ነበርኩ።

ኣብዚ ቦታ እዚ ኸገልግል ከለኹ፡ ልክዕ ከምቶም ደቂ ኣፍሪቃ ዀይነ ኽነብር ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ፣ ስለዚ፡ ኣብ ኣጕዶ እድቅስ፡ ብኢደይ እበልዕ፡ ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ ዚገብርዎ ዝነበሩ ድማ ኣብ “ወጻኢ” ደገ እወጽእ ነበርኩ። (ዘዳግም 23:12-14) ከምኡ ምግባረይ፡ ንዓይን ነቶም ሚስዮናውያን ብጾተይን ጽቡቕ ስም ከም ዚህልወና ስለ ዝገበረ፡ ሓጊዙና እዩ። ኣንስቲ ገሊኦም ሰበ ስልጣን ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ጀመራ። ስለዚ፡ ተጻረርቲ ኼሸግሩና ኸለዉን ቪዛና ኽንሕደግ ዚፈቅድ ፍቓድ ንኼውጽኡ ኺጽዕሩ ኸለዉን፡ ኣንስቲ እቶም ሰበ ስልጣን ንሰብኡተን ጸቕጢ ስለ ዚገብራሎም፡ እቲ ውሳነ ይልወጥ ነበረ።

 ልክዕ ከምቲ ንብዙሓት ናብ ኣፍሪቃ ዚመጹ ሚስዮናውያን ዜጋጥሞም፡ ንዓይ እውን ዓሶ ሓዘትኒ። ቍሪ ቝሪ የብለንን ረስኒ ይገብረለይን የህተፍትፈንን ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ታሕተዋይ ምንጋጋይ ኣመና ስለ ዚንቅጥቀጥ፡ ብኢደይ እሕዞ ነበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ኣገልግሎተይ እናሓደረ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣለይ ነበረ።

ኣብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸናሕኩለን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመት፡ ምስታ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቀቅድሚ ምውጽአይ እተላለኽዋ ኢቫ ሃልኲስት ደብዳበ እጸሓሓፍ ነበርኩ። ንሳ እውን ኣብቲ ብ19 ሓምለ 1953 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ያንኪ ስታድየም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ መበል 21 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከም እተመረቐት ፈለጥኩ። ምስ ሓደ ሓለቓ መርከብ፡ ኣነ ኣብ መርከቡ ኽሰርሕ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺወስደኒ ተሰማማዕኩ።

ን22 መዓልቲ በቲ ሓድሓደ ሳዕ ብማዕበል ዚናወጽ ዝነበረ ባሕሪ ምስ ተጓዓዝና፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ በጻሕና፣ ትኽ ኢለ ድማ ናብቲ ኢቫ ዝነበረትሉ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ። ኣብኡ ድማ ኣብቲ ወደብን ህንጻታትን ኒው ዮርክ ዚርኣየሉ ናሕሲ ኸለና፡ ንመርዓ ሓተትክዋ። ጸኒሓ፡ ኢቫ ምሳይ ንምግልጋል ናብ ጎልድ ኮስት መጸት።

ሓላፍነት ስድራ ቤት

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ኢቫ ምስ ኣገልገልና፡ ኣደይ፡ ኣቦይ መንሽሮ ኸም ዝሓዞ እትገልጽ ደብዳበ ለኣኸትለይ። ካብ ዕዮና ፍቓድ ሓቲትና ድማ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና። ኣቦይ ሕማሙ እናገደዶ ኸይዱ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሞተ።

ናብ ጋና ኻብ እንምለስ ኣርባዕተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣደይ እውን ጥዕናኣ እናኣንቈልቈለ ኸም ዝኸደ ፈለጥና። ገሊኦም ፈተውትና ኸኣ፡ ኣነን ኢቫን ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመሊስና ኽንከናኸና ኸም ዘሎና ነገሩና። እቲ ውሳነ ግና ኣዝዩ ኸበደና። ኣነ ሚስዮናዊ ኻብ ዝኸውን ድሕሪ 15 ዓመት፡ ምስ ኢቫ ብሓባር ሚስዮናውያን ካብ እንኸውን ድማ ድሕሪ 11 ዓመት፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና።

ኣብ ጎልድ ኮስት (ሕጂ ጋና) ምስ ዝነበረ ጭቃ ዓዲ

ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ምስ ኢቫ እናተበራረና ንኣደይ ተኸናኸንናያ፣ ክትከይድ ኣብ እትኽእለሉ እዋናት ድማ፡ ናብ ኣኼባታት ንወስዳ ነበርና። ይኹን እምበር፡ ብ17 ጥሪ 1976 ኣብ 86 ዓመት ዕድሚኣ ሞተት። ትሽዓተ ዓመት ጸኒሑ ግና፡ ዝኸፍአ ዅነታት ኣጋጠመ። ኢቫ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ነቲ ሕማም ብእተኻእለና ዓቕሚ እኳ እንተ ተቓለስናዮ፡ ኢቫ ግና ኣይከኣለትን፣ ብ4 ሰነ 1985 ድማ ኣብ 70 ዓመት ዕድሚኣ ሞተት።

ብዙሕ ለውጥታት ግናኸ ዜዕግብ ሞያ

ብ1988 ኣብቲ ነቲ ብዝያዳ ዝሰፍሐ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጋና ንምውሳን እተገብረ መደብ ተዓደምኩ። ከመይ ዝኣመሰለ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ! ቅድሚ 40 ዓመት ካብ ጊልዓድ ተመሪቐ ናብ ጋና ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ሒደት ኣማእታት ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ብ1988 ግና ልዕሊ 34,000 በጽሑ፣ ሕጂ ድማ ዳርጋ 114,000 በጺሖም ኣለዉ።

ናብ ጋና ኻብ ዝኸይድ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ማለት ብ6 ነሓሰ 1990 ምስታ ቤቲ ሚለር ዝስማ መሓዛ ኢቫ ተመርዓና። ክልቴና ንየሆዋ ምግልጋል ሞያና ጌርናዮ ኣለና። ነቲ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ምስ ኣባሓጎታትናን ምስ እኖሓጎታትናን ምስ ወለድናን ምስ ኢቫን ብትንሳኤ እንራኸበሉ እዋን ኣዚና ኢና እንናፍቖ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 70 ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ኣዒንተይ ቅጽርጽር እዩ ዚብለኒ። ንዕኡ ምግልጋል ሞያይ ምእንቲ ኽገብሮ ስለ ዝመርሓኒ፡ ወትሩ አመስግኖ እየ። ሕጂ ዕድመይ ልዕሊ 90 ዓመት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝዓበየ መሃንድስ ዩኒቨርስ ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ ሞያይ ዝገበርክዎ ንዕኡ ናይ ምግልጋል ምርጫ ምእንቲ ክቕጽሎ፡ ዘየቋርጽ ብርታዐን ትብዓትን ይህበኒ እዩ።