ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ሕዳር 2013

 ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዝገበሮ ሓሶት

ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዝገበሮ ሓሶት

ብዙሓት ዚኣምኑሉ፦

“ብዛዕባ ብሕታዊ ስም ኣምላኽን እቲ ስም እንታይ ምዃኑን፡ ገና ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይበጻሕናን።”—ፕሮፌሰር ዴቪድ ካኒንግሃም፡ ቲኦሎጂካል ስታዲስ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፦

ኣምላኽ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 42:8) የሆዋ ናይ እብራይስጢ ስም ኰይኑ፡ “ዚኸውን” ማለት እዩ።

የሆዋ ንስሙ ኽንጥቀመሉ ይደልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ” ይብል።—ኢሳይያስ 12:4

የሱስ ንስም ኣምላኽ ተጠቒሙሉ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዚምልከት ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ” በለ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዘፍለጦም ስለምንታይ እዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ከምታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ምእንቲ ኽትህልዎምን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን” በለ።—ዮሃንስ 17:26

ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፦

ዎልተር ላውሪ ዝስሙ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ “ስም ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ኺፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣ ከም ሓደ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ጥራይ ገይሩ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” በለ።

ንስም ኣምላኽ ምስዋር ወይ ምትካእ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቈሪጽካ ኸም ምውጻእ እዩ

ሓደ ቪክቶር ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሰሙን ሰሙን ናብ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ዚፈልጦ ዀይኑ ግና ኣይስምዖን እዩ ነይሩ። ከምዚ በለ፦ “ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣጸቢቐ እተላለኽዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባኡ ዝሰምዕ ዝነበርኩ ኣካል እተራኸብኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይረ ኽርእዮን ምስኡ ዕርክነት ክምስርትን ድማ ከኣልኩ።”

የሆዋ ነቶም ንስሙ ዚጥቀሙሉ ሰባት ይቐርቦም እዩ። ብዛዕባ እቶም ‘ንስሙ ዚሓስቡ’ ሰባት ኪገልጽ ከሎ እውን፡ “ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎም እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። (ሚልክያስ 3:16, 17) ነቶም ንስሙ ዚጽውዑ ዓስቦም ይህቦም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ይብል።—ሮሜ 10:13