ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መስከረም 2013

 ገበርእዚ ዅሉ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ መዓስከ እዩ ዜኽትም፧

ሓያሎ ንጹሃት ሰባት ሃሊቖም!

ሓያሎ ንጹሃት ሰባት ሃሊቖም!

ኖኤል ምስኣል እትፈቱ ምጭውቲ ቘልዓ እያ ነይራ። ሓደ ምሸት ኣብ ካንሸሎኦም ክትጻወት ከላ፡ ኣብቲ እታ ስድራ ቤት እትሕምብሰሉ ጋብላ ሸተት ኢላ ወደቐት። ጥሒላ ድማ ሞተት። ኣርባዕተ ዓመት ንኽትመልእ፡ ክልተ ሰሙን ጥራይ እዩ ተሪፍዋ ነይሩ።

ሻርሎት፡ ዳንየል፡ ኦሊቭያ፡ ጆሰፊን . . . እዞም ቈልዑ እዚኦም ካብቶም ብ14 ታሕሳስ 2012 ኣብ ኮኔችቲካት፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ እተረሸኑ 26 ሰባት እዮም። እቶም 20፡ ነዞም ስሞም እተጠቕሰ ቘልዑ ሓዊስካ፡ ደቂ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት እዮም ነይሮም። ፕረዚደንት ኦባማ፡ ንዝኽሪ እቶም ምዉታት ኣብ እተገብረ ስነ ስርዓት፡ ንስም እቶም ቈልዑ ጠቒሱ ንዅሎም ሓዘንተኛታት፡ “እዚ ዜሕዝን ተመክሮ እዚ ኬኽትም ኣለዎ” በሎም።

ብ1996፡ ባኖ ጓል 18 ዓመት ከላ፡ ምስ ስድራ ቤታ ኻብ ዒራቕ ናብ ኖርወይ ከደት። ፈተውታ፡ ምብራቕ ጸሓይ ብዚብል ሳጓ ይጽውዕዋ ነበሩ። እቲ ዜሐዝን ግና፡ ባኖ ሓንቲ ኻብቶም ብ22 ሓምለ 2011፡ ብሓደ ጥሩፍ እተቐትሉ 77 ግዳያት ኰነት። እቲ ጥሩፍ፡ “ዝያዳ ሰባት ብዘይምቕታለይ ይቕረታ ኺሓትት እደሊ” ብምባል ተጃህረ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ታሪኽ ብተደጋጋሚ እዩ ዚንገር። ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ዘይተሓስበ ሓደጋታትን ገበንን ውግእን ግብረ ሽበራን ባህርያዊ ሓደጋታትን ካልእ ዜሕዝን ፍጻመታትን ዘጋጠመ ሓዘንን ስቓይን እሞ ሕሰብ። ሓያሎ ንጹሃት ሰባት ብዘይ ፍትሒ ሃሊቖም ወይ ተሳቕዮም እዮም።

ገሊኦም ሰባት፡ ፈጣሪና ብዛዕባ ስድራ ቤት ደቂ ሰብ ከም ዘይሓሊ ብምዝራብ፡ ንኣምላኽ ይወቕስዎ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ዚበጽሓና ዘሎ መከራ ዚርእዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ኢዱ ኼእቱ ኸም ዘይመረጸ ይዛረቡ። ካልኦት ከኣ፡ እዚ ዜሕዝን ፍጻመታት እዚ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ይገልጹ። ብዛዕባ እዚ፡ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዚውሃብ። እሞኸ፡ ዜተኣማምንን ዜዕግብን መልሲ ኻበይ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ጠንቂ መከራ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዜኽትምን፡ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና።