ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መስከረም 2013

እዚ ዅሉ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ዅሉ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ዅሉ መከራ ዝሃለወሉን ንምጥፋኡ እተገበረ ሰብኣዊ ጻዕሪ ዝፈሸለሉን ምኽንያት ንኽንርዳእ፡ እቲ ቐንዲ ጠንቂ መከራ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግባእ። ጠንቂ መከራ ኣዝዩ እተፈላለየን እተሓላለኸን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓገዝ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መከራ ዝሃለወሉ ሓሙሽተ መሰረታዊ ምኽንያታት ክንምርምር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ተጠንቂቕካ ኽትምርምር ንዕድመካ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ጠንቂ እዚ ኣገዳሲ ጸገም እዚ ብንጹር ንኽንርድኦ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እውን ርአ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ሳዕቤን ሕማቕ ምምሕዳር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር” ይብል።—ምሳሌ 29:2

ኣብ ታሪኽ፡ ብጭካነ ዜመሓድሩ ሓያሎ ውልቀ መለኽቲ ተራእዮም እዮም። እዞም ገዛእቲ እዚኦም፡ ንተገዛእቶም እዚ ዘይብሃል መከራ ኣውሪዶምሎም እዮም። ኵሎም ገዛእቲ፡ ውልቀ መለኽቲ ኸም ዘይኰኑ ፍሉጥ እዩ። ገሊኣቶም፡ ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ትምኒት ኪህልዎም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ስልጣን ምስ ሓዙ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ኻልኦት ሰባት ስልጣን ንምርካብ ዚገብርዎ ውድድርን ቃልስን ጻዕርታቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኸምቲ ዝደለይዎ ኣይከውንን እዩ። ወይ ከኣ፡ ንስልጣኖም ንኻልኦት ሰባት ብምጕዳእ ንረብሓኦም ይጠቀሙሉ ይዀኑ። ጸሓፊ ኽፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበር ሄንሪ ኪሲንጀር፡ “ታሪኽ ብዛዕባ ዝፈሸለ ጻዕርታት፡ ብዛዕባ ዘይተፈጸመ ሓያል ትምኒታት ዚገልጽ ጸብጻብ እዩ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “እቲ ዚመላለስ . . . ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” እዩ ዚገልጽ። (ኤርምያስ 10:23) ዘይፍጹማት ሰባት ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዚጐድሎም፡ ንዅሉ ጕዳያቶም ብዕዉት መገዲ ኼመሓድርዎ ኣይክእሉን እዮም። ሰባት ስጓሜኦም ኬቕንዑ እንተ ዘይክኢሎም፡ ከመይ ገይሮም እዮም ስጓመ ህዝቢ ኬቕንዑ ዚኽእሉ፧ ሰብኣውያን መራሕቲ፡ መከራ ኼወግዱ ስለምንታይ ከም ዘይክእሉ ኸተስተውዕል ክኢልካዶ፧ እኳ ደኣ፡ ጠንቂ መከራ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕማቕ ምምሕዳር ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን።

ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት

የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 13:35

ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ፍቕርን ሓድነትን እዮም ዚምህሩ። ከም ሓቂ ግና፡ ንምእመናኖም ኣድልዎ ዘይተርኢ፡ ድልድልቲ ፍቕሪ ኼስርጹሎም ኣይከኣሉን። ሃይማኖታት ንሰባት ፍቕሪ ንኼማዕብሉ ኣብ ክንዲ ዚሕግዛኦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምክፍፋልን ግጭትን ባእስን ንኺርአ እየን ኣበርክቶ ዚገብራ። ሃንስ ኩንግ ዚብሃል ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ ኣብታ ክርስችያኒቲ ኤንድ ዘ ዎርልድ ረሊጅንስ ዘርእስታ  መጽሓፉ፡ ኣብ መደምደምታ፡ “እቲ ልዕሊ ዅሉ ጥሩፍን ሕሱምን ዝዀነ ፖለቲካዊ ቓልስታት፡ እቲ ብሃይማኖት እተቐብአን እተጸልወን ዝጸደቐን ቃልስታት እዩ” በለ።

ብተወሳኺ፡ ኣቕሽሽቲ ሓያሎ ሃይማኖታት ነቲ ቕድሚ መርዓ ዀነ ኻብ ሓዳር ወጻኢ ዚገብር ጾታዊ ርክብን ንግብረ ሰዶምን ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ብጋህዲ ገሊጾም እዮም። እዚ ኸኣ፡ ሕማም፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ዘይተደልየ ጥንሲ፡ ከምኡውን ምፍራስ ሓዳርን ምብትታን ስድራ ቤታትን ከም ዜስፋሕፍሕ ብምግባር፡ እዚ ዘይብሃል ስቓይን ጭንቀትን ኣስዓበ።

ዘይፍጽምናን ስስዐን

“ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።”—ያእቆብ 1:14, 15

ኵላትና፡ ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ ኣለና። ስለዚ፡ “ናይ ስጋ . . . ድሌት እናፈጸምና” ንኸይንነብር፡ ምስ ትምኒት ስጋና ኽንቃለስ የድልየና። (ኤፌሶን 2:3) ነቲ ሕማቕ ባህግታት ክንፍጽመሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ኺፍጠር ከሎ ግና፡ እቲ ቓልሲ ኼሸግረና ይኽእል እዩ። በቲ ሕማቕ ባህግታትና እንተ ተሰኒፍና ድማ፡ ሳዕቤኑ ኣዝዩ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ፊሮዝ ዲ. መይታ ዚብሃል ደራሲ፡ “መብዛሕትኡ መከራ ኺህሉ ዝኸኣለ፡ ህርፋንን ፍትወት ተድላን ስስዐን ጽምኢ ስልጣንን ስለ ዘሎና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ንኸም ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ጠላዕን ጾታዊ ርክብን ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራትን ዘሎ ኽቱር ባህግን ወልፍን ንህይወት ብዙሓት “ሕፉራት” ሰባት ኣበላሽዩ፡ ንስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ካልኦት ሰባትን መከራ ኣስዒቡሎም እዩ። ሰባት ዘይፍጹማት ምዃኖም ብምፍላጥና፡ ነቲ፡ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎ፡ ንፈልጥ ኣለና” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማምዓሉ ኢና።—ሮሜ 8:22

ሓይሊ እኩያት መናፍስቲ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ሰይጣን ከም ዝዀነ፡ ኣጋንንቲ ዚብሃሉ ሓያላት እኩያት መናፍስቲ ድማ ከም ዚሓብርዎ ይገልጽ።—2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:9

ኣጋንንቲ እውን ልክዕ ከም ሰይጣን ንሰባት ብንጥፈት ይቈጻጸርዎምን የስሕትዎምን ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቅልስና ምስ መንግስትታትን ምስ ስልጣናትን ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ኤፌሶን 6:12

ኣጋንንቲ ንሰባት ኬሳቕዩ ባህ ዚብሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ሸቶኦም ግና ንሱ ኣይኰነን። ንሰባት ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኺፈልይዎም እዮም ዚደልዩ። (መዝሙር 83:18) ከም ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ስሒር፡ ኣስማት፡ ከምኡውን ጥንቈላ ዝኣመሰለ ተግባራት፡ ገለ ኻብቲ ኣጋንንቲ ንሰባት ንምትላልን ንምቍጽጻርን ዚጥቀሙሉ ሜላታት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ሓደገኛ ተግባራት ብምጥንቃቕ ንዅሎም እቶም ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚጻረርዎም ሰባት ዜዕቝቦም።—ያእቆብ 4:7

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ” ብምባል ተነብዩ ኣሎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ነቲ ግዜ እቲ ጽንኩር ዚገብሮ እንታይ ምዃኑ ኸምዚ ብምባል ሓቢሩ ኣሎ፦ “ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ . . . ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ስግንጢር፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ።” እዚ ዅሉ መከራ ኺህልወሉ ዝኸኣለ ሓደ ምኽንያት እምበኣር፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘሎና እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4

ብመሰረት እዚ ዝረአናዮ ረቛሒታትሲ፡ ደቂ ሰብ ንጹር ድራኸ እኳ እንተ ኣለዎም፡ ንመከራ ኼጥፍእዎ ዘይከኣልሉ ምኽንያት ንጹርዶ ኣይኰነን፧ ካበይ ደኣ ኢና እሞ ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል፧ ካብቲ ‘ግብሪ ድያብሎስ ኬፍርስ’ እተመባጽዐ ፈጣሪናን ካብ ሰዓብቱን ጥራይ ኢና። (1 ዮሃንስ 3:8) እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቅታት መከራ ንኼጥፍእ እንታይ ከም ዚገብር ትገልጽ።