ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ ሰነ 2013

ናብ ጻድቃን ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧

ናብ ጻድቃን ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧

መን ካባና እዩ እሞ፡ ጭንቀት ኣጋጢምዎስ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ኪረክብ ዘይደሊ፧ ነቲ ጠንቂ ጭንቀትና ዝዀነ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዝያዳ ንሓደ ደንጋጽን ከምቲ ናትና ዓይነት ተመክሮ ዘሕለፈን ፈታዊ ኸም እንመርጽ ፍሉጥ እዩ። ድንጋጽን ተመክሮን ዘለዎ ፈታዊ፡ ብሓቂ ተባሃጊ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እውን ከምኡ ይስምዖም ይኸውን። ናብቲ ኻባታቶም ጸብለል ዝበለን ዜፍርህን ኰይኑ ዚስምዖም ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ናብ ሓደ ኻብቶም ጻድቃን ወይ ቅዱሳን ኪቐርቡ ብዝያዳ ይፈዅሶም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘እቶም ኣብ ደቂ ሰብ ልሙድ ዝዀነ ፈተናታትን ጸገማትን ዘሕለፉ ጻድቃን ዝያዳ ኺድንግጹ ይኽእሉ እዮም’ ዚብል ምኽንያት ይህቡ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ዝጠፍኦም ሰባት ናብቲ ንዝጠፍአ ወይ ንእተሰርቀ ነገራት ከም ዚሕሉ ብልምዲ ዚእመነሉ “ቕዱስ” ኣንቶኒ ብዓል ፓድዋ ኪቐርቡ ይመርጹ። ንሓደ ዝሓመመ እንስሳ ኺጽልዩሉ እንተ ደለዮም፡ ነቲ “ቕዱስ” ፍራንሲስ ብዓል ኣሲሲ ይመርጹ፣ ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉ ድማ ናብ “ቅዱስ” ይሁዳ ታዴዎስ ኪጽልዩ ይመርጹ።

ይኹን እምበር፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ጻድቃን ወይ ቅዱሳን ምጽላይ ግቡእ እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ብምዃኑ፡ መልሲ እቲ፡ ‘ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኽንፈልጥ ከም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናብ ጻድቃን ዚቐርብ ጸሎት እንታይ ይስምዖ፧’ ኢልና ኽንሓትት እውን ኣይግባእንዶ፧

ናብ ጻድቃን ዚቐርብ ጸሎት—መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ

እቲ ናብ ጻድቃን ናይ ምጽላይ ልማድ፡ ኣብቲ ጻድቃን ወይ ቅዱሳን ከም ዜማልዱ ዚገልጽ ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እተመሰረተ እዩ። እዚ ሰረተ እምነት እዚ፡ ብመሰረት ዘ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ብሓደ ጻድቕ ኣቢልካ ምሕረት ኣምላኽ ምልማን” ዚብል መሰረታዊ ሓሳብ እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ ናብ ጻድቃን ዚጽሊ ሰብ፡ ብኣተሓሳስባኡ እቶም ጻድቃን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተባረኹ ስለ ዝዀኑ፡ ብኣታቶም ኣቢሉ ፍሉይ ሞገስ ኪርከብ ተስፋ ይገብር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ይምህር ድዩ፧ ገሊኣቶም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጻድቃን ንምጽላይ መሰረት ዚኸውን ሓሳብ፡ ኣብ ጽሑፋቱ ኸም ዘስፈረ ይገልጹ። ከም ኣብነት ዚጠቕስዎ ኸኣ፡ ነቲ፡ “ኣሕዋተየ፡ ምሳይ ኴንኩም ብጸሎት ክትጋደሉለይ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን በታ ኻብ መንፈስ ዝዀነት ፍቕርን እምዕደኩም ኣለኹ” ብምባል ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ መልእኽቲ እዩ። (ሮሜ 15:30) ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬማልዱሉ ድዩ ዚሓቶም ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ምምላድ እንተ ዜድሊ ነይሩስ፡ ንሳቶም ነቲ ሃዋርያ ክርስቶስ ዝነበረ ጳውሎስ ንኼማልደሎም ምሓተትዎ ነይሮም። ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንሓደ ክርስትያን ምእንታና ንኣምላኽ ኪጽልየልና ኽንሓትቶ ግቡእ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ልማኖና ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበልና  ኢልና፡ ናብ ሓደ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ጌርና እንሓስቦ ጻድቕ ክንጽሊ ግና ግቡእ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ብዘይካዚ፡ “እቲ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኪህበኩም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 15:16ትርጕም 1990) ብቐጥታ ናብኡ ኽንጽሊ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳና ንኣምላኽ ከም ዚዛረበልና ኣይገለጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ፡ ብኻልእ ዘይኰነስ፡ ብእኡ ኣቢልና ጥራይ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸም ዘሎና እዩ ገሊጹ።

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ ኪምህሮም ምስ ሓተትዎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምዚ በሉ፦ ‘ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።’” (ሉቃስ 11:2) እወ፡ ‘ክንጽሊ ኸለና፡’ ናብ የሱስ ወይ ናብ ማንም ካልእ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኣሎና። ብመሰረት እዚ ዘየማትእ ትምህርትታት የሱስ፡ ክንጽሊ ኸሎና ናብ ኣማላዲ ወይ ናብ ጻድቃን ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ጥራይ ክንጽሊ ኸም ዘሎና ኽንኣምንሲ ርትዓዊዶ ኣይኰነን።

ጸሎት ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና እዩ፣ ብጃካ ንኣምላኽ ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ኣካል ምምላኽ ከኣ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 4:23, 24፣ ራእይ 19:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ናብ ኣምላኽ ጥራይ ክንጽሊ ዘሎና።

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ኬፍርሃካ ይግባእዶ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ብዛዕባ ሓደ ንኣቦኡ ዚብላዕ ኪህቦ ዝለመኖ ውሉድ ዚገልጽ ኣብነት ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ኣብ ክንዲ እንጀራ፡ እምኒ ይህቦ ድዩ፧ ወይስ ኣብ ክንዲ ዓሳ፡ መርዛም ተመን ይህቦ ድዩ፧ (ማቴዎስ 7:9, 10) ሓደ ፈቃር ወላዲ ኸምዚ ኺገብር ዘይሕሰብ እዩ።

ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ምስ ውሉዱ ርክብ ኪህልዎ ዚደሊ፡ ኣምላኽ እውን ምስኡ ርክብ ኪህልወና እዩ ዚደሊ

ሕጂ ኸኣ ነዚ ምሳሌ እዚ ኸም ወላዲ ዄንካ ሕሰበሉ። ውሉድካ ሓደ ዜገድሶ ነገር ኪሓትተካ ደልዩ ንበል። ምስኡ ዘሎካ ርክብ ተጠንቂቕካ ሒዝካዮ፡ ወትሩ ድማ ተቐራቢ ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ብእትህቦ ምላሽ ብዘይ ምኽንያት ብምፍራሁ ጥራይ፡ ናባኻ ቐሪቡ ንኺልምነሉ ንኻልእ ሰብ ይሓትት። ሽዑ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ልማድ ገይርዎ፡ ወትሩ በቲ ኻልእ ሰብ ኣቢሉ ጥራይ እንተ ዚዛረበካ እሞ፡ ነዚ ልማድ እዚ ንኪቕጽሎ ድሌት ከም ዘለዎ ዚሕብር ነገራት እንተ ትርኢኸ፧ በቲ ኣካይዳኡ ምተሓጐስካዶ፧ ከም ዘይትሕጐስ ፍሉጥ እዩ። ፈቃራት ወለዲ፡ ደቆም ብቐጥታ ኪቐርብዎምን ዜድልዮም ዘበለ ኸይተሰከፉ ኺሓትዎምን እዮም ዚደልዩ።

የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምሳሌኡ ኸምዚ ብምባል ኣብሪሁሎም ኣሎ፦ “እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም!” (ማቴዎስ 7:11) ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ጽቡቕ ነገራት ኪህቦ ሃርር ይብል እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ንጸሎትና ኺሰምዖን ምላሽ ኪህበሉን ዝያዳ እዩ ሃረር ዚብል።

ኣምላኽ፡ ብናይ ብሕቲ ጕድለታትና ምኽንያት ጾር ኣብ ዝኸብደና እዋን እውን ከይተረፈ፡ ብቐጥታ ብጸሎት ክንቀርቦ ይደልየና እዩ። ንጸሎትና ኺሰምዑ ኢሉ፡ ንኻልኦት ኣይመደበልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ይብል። (መዝሙር 55:22) ምእንቲ ኼማልዱልና ኢልና ኣብ ጻድቃን ወይ ኣብ ቅዱሳን ወይ ኣብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ኣካል ኣብ ክንዲ እንምርኰስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸነማዕብል ኣሎና።

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሓልየልና እዩ። ኣብ ጸገማትና ኺሕግዘና ይደሊ እዩ፣ ንኽንቀርቦ እውን ይዕድመና እዩ። (ያእቆብ 4:8) ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽናን ኣቦናን ንኽንቀርቦ ኣጋጣሚ ስለ እተዋህበና፡ ኣዚና ሕጕሳት ኢና።—መዝሙር 65:2