ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ መጋቢት 2013

ትንሳኤ የሱስ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት የውህብ

ትንሳኤ የሱስ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት የውህብ

ትንሳኤ የሱስ፡ ሎሚ ንዓና ኽሳዕ ክንድቲ ትርጕም ዘይህብ ጥንታዊ ፍጻመ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገለጸ፦ “ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝዓረፉ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ። ከመይሲ፡ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።”—1 ቈረንቶስ 15:20-22

የሱስ ብ16 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ተንሲኡ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣይሁድ ካብ በዅሪ ፍርያት እኽሎም፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ የቕርቡ ነበሩ። ጳውሎስ ንየሱስ በዅሪ ምባሉ፡ ካብ ሞት ዚትንስኡ ኻልኦት ሰባት እውን ከም ዘለዉ ይሕብር።

ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ” ብምባል፡ ብትንሳኤ የሱስ ኣቢሉ እንታይ ከም እተፈጸመ ገሊጹ ኣሎ። ኵላትና፡ ብሰንኪ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ንመውት ኢና። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ በጃ ብምሃብ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ብትንሳኤ ሓራ ዚወጹሉ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 6:23፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ዚብል ባህ ዜብል ሓሳባት ሂቡ ኣሎ።

የሱስ ባዕሉ እውን፡ ሞቱን ትንሳኤኡን ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ ርእሱ ኸምዚ በለ፦ “ወዲ ሰብ ኪስቀል ኣለዎ፣ ከምኡ ዚኸውን ድማ፡ ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”—ዮሃንስ 3:14-16

ቃንዛ፡ ስቓይ፡ ወይ ሓዘን ዘይብሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብስ፡ ሕስብ እሞ ኣብሎ! (ራእይ 21:3, 4) እዝስ፡ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ተስፋ ዀን እዩ! ሓደ ምሁር፡ “መቓብር፡ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና የዘኻኽር፡ ትንሳኤ ኸኣ ሞት ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና የረጋግጽ” በለ። እወ፡ ትንሳኤ የሱስ፡ ህይወት ዜውህብ እዩ።