ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥቅምቲ 2015

ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብቐጻሊ ኣስተንትን

ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብቐጻሊ ኣስተንትን

“ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ግሁድ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።”—1 ጢሞ. 4:15

መዝሙር፦ 22, 52

1, 2. ሓንጎል ደቂ ሰብ ፍሉይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

ቋንቋ ንደቂ ሰብ ኬንብቡን ኪጽሕፉን ኪዛረቡን እተዘርበ ቓላት ኪርድኡን ኪጽልዩን ንየሆዋ ውዳሰ ኺዝምሩን የኽእሎም እዩ። እዚ ዅሉ ተግባራት፡ እተወሰነ ኽፋል ሓንጎልን እተሓላለኸ ስርዓተ መትንን ዚዓይዮ ዜደንቕ ክእለት እዩ፣ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ኣይከኣሉን። ሓንጎልና ፍሉይ ስለ ዝዀነ፡ ቋንቋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ ቛንቋ፡ “ደቂ ሰብ ቋንቋ ናይ ምምሃር ክእለቶም፡ ሓደ ኻብቲ ፍሉይ መለለዪ [ደቂ ሰብ] እዩ” በለ።

2 ደቂ ሰብ ዘለዎም ናይ ቋንቋ ኽእለት ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ተኣምራዊ ውህበት እዩ። (መዝ. 139:14፣ ራእ. 4:11) እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣእምሮ ብኻልእ መገዲ እውን ፍሉይ እዩ። ሰባት ከም እንስሳታት ዘይኰኑስ፡ “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዮም ተፈጢሮም። ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎም፣ ነቲ ናይ ቋንቋ ኽእለቶም ከኣ ንውዳሰ ኣምላኽ ንኺጥቀሙሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።—ዘፍ. 1:27

3. ጥበበኛታት ምእንቲ ኽንከውን፡ የሆዋ እንታይ ዜደንቕ ውህበት እዩ ሂቡና፧

3 ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ንፈጣሪ ቛንቋ ኬኽብሩ ባህጊ ዘለዎም ዘበሉ፡ እቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂብዎም እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 2,800 ቋንቋታት ይርከብ። ነዚ  ቕዱሳት ጽሑፋት እዚ ምስ እተንብቦ፡ ንኣእምሮኻ ብሓሳባት ኣምላኽ ኢኻ እትመልኦ። (መዝ. 40:5፣ 92:5፣ 139:17) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ “ንድሕነት ዜለብመካ” ነገራት ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14-17 ኣንብብ።

4. ምስትንታን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እንታይ ሕቶታት ኢናኸ ክንምርምር፧

4 ምስትንታን ኪብሃል ከሎ፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ፡ ሓሳባትካ ኣብ ሓደ ነገር ምትኳርን ብዛዕባኡ ምሕሳብን ማለት እዩ። (መዝ. 77:12፣ ምሳ. 24:1, 2) ክልተ ኻብቲ ኸነስተንትነሉ እንኽእል ብሉጽ ዛዕባታት፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። (ዮሃ. 17:3) ይኹን እምበር፡ ምንባብን ምስትንታንን እንታይ ርክብ እዩ ዘለዎ፧ ከነስተንትን እንኽእለሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧ ምስትንታን ባህ ዜብል ልማድ ክንገብሮ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ጠቓሚ መጽናዕቲ ግበር

5, 6. ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ እተንብቦ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትርድኦን ክትዝክሮን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

5 ሓድሓደ እዋን ከይሓሰብናዮ እውን፡ ኣእምሮና ዜገርም ነገራት ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ ምስትንፋስ፡ ምኻድ፡ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ወይ ከይረኣና ብማኪና ጽሕፈት ምጽሓፍ ከይሓሰብና ብቕጽበት ክንገብሮ እንኽእል ነገራት እዩ። ከነንብብ ከለና እውን ብእተወሰነ መጠን ከምኡ ኢና እንገብር። ስለዚ፡ ኣብ ትርጉም እቲ እተንብቦ ነገር ምትኳር ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ በጻሕካ ወይ ሓድሽ ንኡስ ኣርእስቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ብልክዕ ተረዲእካዮ እንተ ዄንካ ኣዕርፍ ኣቢልካ ኽትሓስብ ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ዜስግለካ ነገራት እንተ ኣልዩን ዘይተተኵር እንተ ዄንካን፡ ኣእምሮኻ ኺገይሽ ይኽእል እዩ፣ ንባብካ ኸኣ ጠቓሚ ኣይከውንን። ነዚ ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧

6 ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ከተጽንዕ ከለኻ ነቲ ቓላት ዓው ኢልካ ምንባብ ነቲ እተንብቦ ንምዝካሩ ዝቐለለ ይገብረልካ እዩ። እቲ ፈጣሪ ኣእምሮና ድማ ነዚ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ሕጉ፡ “ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ” (NW) ኢሉ ንእያሱ ነገሮ። (እያሱ 1:8 ኣንብብ።) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትሑት ድምጺ ወይ ብትሕቲ መልሓስካ ምስ እተንብቦ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ሓያል ጦብላሕታ ኼሕድረልካ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዝያዳ ኸም እተተኵር ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

7. ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ከተስተንትነሉ እትኽእል ዝሓሸ ግዜ መዓስ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ ርአ)

7 ንባብ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይሓትት ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስትንታን ግና ትዅረት ዚሓትት እዩ። እቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ኣእምሮና ድማ፡ ኣብ ቀሊልን ብዙሕ ኣትኵሮ ኣብ ዘየድልዮን ነገር ናይ ምትኳር ዝንባለ ኣለዎ። ስለዚ፡ ከተስተንትነሉ እትኽእል ዝበለጸ ግዜ፡ ከተዕርፍ ከለኻን ካብ ውጥረትን ዜስግል ነገራትን ናጻ ኽትከውን ከለኻን እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ለይቲ ኣብ ዓራቱ ነቒሑ ኸሎ ምስትንታን ዝሓሸ ግዜ ዀይኑ ረኺብዎ እዩ። (መዝ. 63:6) እቲ ፍጹም ኣእምሮ ዝነበሮ የሱስ፡ ንምስትንታንን ንምጽላይን ኣብ ብሕትው ዝበለ ቦታታት ምዃን ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 6:12

ከተስተንትነሉ እትኽእል ሰናይ ነገራት

8. (ሀ) ብዘይካ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እንታይ ከነስተንትን ንኽእል፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ብዛዕባኡ ብምዝራብ እነሕልፎ ግዜ እንታይ ይስምዖ፧

8 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ምሕሳብ፡ ሓደ ኻብቲ ኸተስተንትነሉ እትኽእል ኣገዳሲ ነገራት እኳ እንተ ዀነ፡ ካልእ ነገራት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብ ፍጥረት እትርእዮ ዜደንቕ ነገራት ደው ኢልካ ሕሰብ። ከምኡ ምግባርካ፡ ስለቲ ሰናዩ ንየሆዋ ኸተወድሶ፡ ብዛዕባኡ እተሰምዓካ ሞሳ ድማ ንብጾትካ ኽትነግሮም ከም ዚድርኸካ ኣይትጠራጠር። (መዝ. 104:24፣ ግብ. 14:17) የሆዋ ብዛዕባኡ ምሕሳብካን ምዝራብካን ኣኽቢሩ ይርእዮ ድዩ፧ እቲ ኽቡር ዝዀነ ቓሉ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። ብዛዕባ እዚ  ጽንኩር ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኸምዚ ዚብል ተስፋ ተዋሂቡና ኣሎ፦ “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።”—ሚል. 3:16

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ እንታይ ከም ዜድልዮን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎን ተስተንትን ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. (ሀ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ እንታይ ኬስተንትን እዩ ነጊርዎ፧ (ለ) ንኣገልግሎትና ኽንዳሎ ኸለና፡ ምኽሪ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ እቲ ቓሉን ኣካይዳኡን ትምህርቱን ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ ‘ኣጸቢቑ ኺሓስብ’ ወይ ኬስተንትን ነጊርዎ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:12-16 ኣንብብ።) ንሕና እውን ከም ጢሞቴዎስ፡ ክንሓስበሉ እንኽእል ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣሎና። ንኣብነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ክንዳሎ ኸለና፡ ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ነቲ ተምሃራይ ዕቤት ንምግባር ምእንቲ ኽንሕግዞ፡ ምሳሌታት ወይ ኣረኣእያኡ ንምፍላጥ ዚሕግዝ ሕቶታት ክንሓስብ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ እነጥፍኦ ግዜ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ከለና እምነትና ትድልድል እያ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስና ውጽኢታውን ውዕዉዕን ብዝዀነ መገዲ ኽንመርሕ ከኣ ይሕግዘና እዩ። ናብ ወፍሪ ኣገልግሎት ንምኻድ ልብና ኸነዳሉ ኸለና እውን ከምኡ ኢና እንገብር። (እዝራ 7:10 ኣንብብ።) ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሓንቲ ምዕራፍ ምስ እነንብብ፡ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ‘ኬጐሃህሮ’ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኽንጥቀመሉ ዝሓሰብና ጥቕስታትን ከነበርክቶ ዝመደብናዮ ጽሑፋትን ምስትንታን ድማ፡ ነቲ ናይ ምግልጋል መሰልና ብዚግባእ ክንፍጽሞ ይሕግዘና እዩ። (2 ጢሞ. 1:6) ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባትን ብዛዕባ እቲ ዜገድሶም ነገራትን ንሕሰብ። ከምዚ ዓይነት ምድላው ምስ እንገብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ፡ “ብመርኣያ መንፈስን  ሓይልን” ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኽንምስክር ኪድርኸና እዩ።—1 ቈረ. 2:4

10. ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከነስተንትን እንታይ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧

10 ህዝባዊ መደረ ኪቐርብ ከሎን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን መዘኻኸሪ ትጽሕፍ ዲኻ፧ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ካብ ውድቡን እተመሃርካዮ ነገራት ክትሓስብ ከለኻ፡ ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ ደጊምካ ምርኣይ፡ ንምስትንታን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ። እቲ ኣብ ወወርሒ ዚወጽእ ሕታማት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣኼባ ዞባ ዝወጸ ሓደሽቲ ጽሑፋት እውን ከነንብቦን ከነስተንትነሉን እንኽእል ሓድሽ ሓበሬታ ይህበና እዩ። መጽሓፍ ዓመት ከተንብብ ከለኻ ድማ፡ ሓደ ተመክሮ ምስ ኣንበብካ ናብ ካልእ ቅድሚ ምሕላፍካ ደው ምባል ጠቓሚ እዩ። ከምኡ ምግባርካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኸተስተንትንን እቲ ተመክሮ ንልብኻ ኺትንክፎን ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ከተስምረሉ ወይ ኣብቲ ሕድጋት መዘኻኸሪ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጕስነትን ንምግባር ወይ መደረ ንምሃብ ክትዳሎ ኸለኻ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ ደው እናበልካ ተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ነቲ እተንብቦ ነገር ከተስተውዕሎን ስለቲ እትመሃሮ ዘለኻ ነገራት ንየሆዋ ብጸሎት ከተመስግኖን ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ።

በብመዓልቱ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኣስተንትን

11. ብቐንዱ እነስተንትነሉ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

11 ብርግጽ፡ ብዛዕባ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ኢና ብቐንዱ ኸነስተንትን እንደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ከይተንብብ ከም እተኸልከልካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። * ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘስፈርካዮ እትፈትዎ ጥቕስታትን ቃላት መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ነገራትን ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 16:25) መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ነቲ እተምሃርካዮ ጽቡቕ ነገራት ኬዘኻኽረካ ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 14:26

12. መጽሓፍ ቅዱስ እነንብበሉ ልማድና ኸመይ እንተ ዀይኑ እዩ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል፧

12 ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኸተንብብን ከተስተንትንን፡ ኣብ ሰሙን እተወሰነ መዓልቲ ኽትምድብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገር እተስተንትነሉ መዓልቲ እውን ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚገልጽ ጸብጻባት ዝሓዘ ወንጌላት፡ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍሉጥ መጻሕፍቲ ምዃኑ ኸም እትሰማምዓሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሮሜ 10:17፣ እብ. 12:2፣ 1 ጴጥ. 2:21) ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ተመክሮታትን ግዜን ብመስርዕ ፍጻመታት ዘስፈረ ጽሑፍ ረኺቦም እዮም። ብፍላይ ነቲ ኣብ ሓድሕድ ምዕራፍ እተመዝገበ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ተጠንቂቕና ነንብቦን ነስተንትነሉን እንተ ዄንና፡ በዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሕ ክንጥቀም ኢና።—ዮሃ. 14:6

ምስትንታን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13, 14. ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብቐጻሊ ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧

13 ሓደ ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዜስተንትን እንተ ዀይኑ፡ ክርስትያናዊ ዕቤት ንምግባር ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (እብ. 5:14፣ 6:1) ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ንምሕሳብ ሒደት ግዜ ጥራይ ዚምድብ ሰብ፡ ድልድልቲ እምነት ክትህልዎ ኣይትኽእልን እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ፡ ካብ ሓቂ ኺውሰድ ወይ ኪርሕቕ ይኽእል እዩ። (እብ. 2:1፣ 3:12) ንቓል ኣምላኽ “ብቕኑዕን ብጽቡቕን ልቢ” እንተ ዘይሰሚዕናዮ፡ ወይ እንተ ዘይተቐቢልናዮ፡ ‘ክንዓቝሮ’ ኸም ዘይንኽእል፡ የሱስ ኣጠንቂቑና እዩ። የግዳስ፡ ብቐሊሉ ‘ብናይ እዚ ህይወት እዚ ጭንቀትን ሃብትን ተድላን ስለ እንውሰድ፡  ሓንቲ እኳ ዘይንፈሪ’ ኽንከውን ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 8:14, 15

14 እምበኣር፡ ወትሩ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንሕሰብ። ከምኡ ምግባርና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኽብርን ባህርያትን የሆዋ ንምንጽብራቕ ኪድርኸና እዩ። (2 ቈረ. 3:18) ካብዚ ዚሓይሽ እሞ እንታይ ኣሎ፧ ብፍልጠት ኣምላኽ ክንዓቢ ምኽኣልናን ክብሩ ኸነንጸባርቕ እተፈቕደልና ምዃኑን ፍሉይ መሰል እዩ፣ እዚ ኸኣ መወዳእታ የብሉን፣ ከመይሲ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብኸመይ ከም እንመስሎ ብቐጻሊ ኽንመሃር ኢና።—መክ. 3:11

15, 16. (ሀ) ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምሕሳብና ብብሕቲ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ እዋን፡ ምስትንታን ኣጸጋሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ኣዘውቲርና ኸነስተንትን ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

15 ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብቐጻሊ ምስ እንሓስብ፡ ወትሩ ንሓቂ ቕንኣት ኪህልወና እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኣሕዋትናን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ምንጪ ዕረፍቲ ኽንኰኖም ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ኣዕሚቝና ምስትንታንና፡ ነቲ ምስቲ ቕዱስ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ርክብ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኺሕግዘና እዩ። (ሮሜ 3:24፣ ያእ. 4:8) ብክርስትያናዊ ገለልትነቱ ሰለስተ ዓመት እተኣስረ ማርክ ዚብሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኸምዚ በለ፦ “ምስትንታን መሳጢ እዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ሓድሽ ነገራት ንረክብ ኢና። ሓድሓደ እዋን፡ ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ኽጭነቕ ከለኹ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒለ ብዛዕባ ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ አስተንትን እየ። ብሓቂ ኸም ዜህድኣኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

16 ሓቂ እዩ፡ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብዙሕ መስገሊታት ስለ ዜጋጥመና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምስትንታን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፓትሪክ ዝስሙ ኻልእ እሙን ኣፍሪቃዊ ሓው ከምዚ በለ፦ “ኣእምሮይ ከምቲ ኺፈላለ ዘለዎ ብዙሕ ዜድልን ዘየድልን ሓበሬታት ዝመልአ ሳጹን ጶስጣ እዩ። ነቲ ኣብ ኣእምሮይ ዘሎ ነገራት ክፍትሽ ከለኹ፡ ብዙሕ ሳዕ ‘ዜጕሂ’ ነገራት እረክብ እየ፣ ኣእምሮይ ከይተረበሸ ቕድሚ ምስትንታነይ ከኣ፡ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ እጽሊ እየ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ቅድሚ ምስትንታነይ፡ ግዜ ወሲደ ነዚ ኽሓስብ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ናብ የሆዋ ዝቐረብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ኸኣ፡ ሓቂ ዝያዳ ንኺርድኣኒ ኣእምሮይ ከፊቱለይ እዩ።” (መዝ. 94:19) እወ፡ ኵሎም እቶም “ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ እናመርመሩ” ብዛዕባ እቲ እተመሃርዎ ዜስተንትኑ፡ ዜደንቕ ጥቕምታት ይረኽቡ እዮም።—ግብ. 17:11

ብኸመይ ግዜ ኽትረክብ ትኽእል፧

17. ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

17 ገሊኦም ንግሆ ተንሲኦም የንብቡን የስተንትኑን ይጽልዩን እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቶም ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኣጋ ምሸት ወይ ቅድሚ ምድቃስካ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ድማ ንግሆን ቅድሚ ምድቃሶምን መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ባህ ይብሎም እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “መዓልትን ለይትን” ወይ ኣዘውቲሮም የንብብዎ እዮም። (እያ. 1:8) ስለዚ፡ በብመዓልቱ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸነስተንትን፡ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ግዜ ኽንዕድግ ኣገዳሲ እዩ።—ኤፌ. 5:15, 16

18. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵሎም እቶም በብመዓልቱ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዜስተንትኑን ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚጽዕሩን እንታይ ይብል፧

18 ቃል ኣምላኽ፡ ኵሎም እቶም ብዛዕባኡ ዜስተንትኑን ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚጽዕሩን ከም ዚባረኹ ተስፋ ይህብ እዩ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።) የሱስ፡ ‘እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ሕጉሳት እዮም!’ ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 11:28) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት በብመዓልቱ ምስትንታን ንፈጣሪ እቲ ዜደንቕ ኣእምሮና ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ሕጂ ሓጐስ፡ ኣብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ።—ያእ. 1:25፣ ራእ. 1:3

^ ሕ.ጽ. 11ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ንምዃን ዝገበርናዮ ቓልሲ” ዘርእስታ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።