ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መስከረም 2015

ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና።”—1 ዮሃ. 4:19

መዝሙር፦ 6, 50

1, 2. ሃዋርያ ዮሃንስ ከም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ ከነፍቅሮ እንኽእለሉ መገዲ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧

ኣቦ ንደቁ ኺምህር ዚኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ብኣብነቱ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “[ኣምላኽ] ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 4:19) ስለዚ፡ የሆዋ ኸነፍቅሮ ዚሕግዘና ብሉጽ ኣብነት ኣባታዊ ፍቕሪ ኸም ዝሓደገልና ንጹር እዩ።

2 ኣምላኽ ‘ቅድም ዘፍቀረና’ ብኸመይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:8) የሆዋ ነዚ ዓብዪ መስዋእቲ እዚ ብምግባር፡ ማለት፡ ነቶም ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ወዱ በጃ ገይሩ ብምሃብ፡ ናይ ሓቂ እንታይነት ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብዘይ ስስዐ ወይ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ እዩ ገይርዎ። እዚ ዕዙዝ ግብሪ ኣምላኽ እዚ፡ ናብኡ ቐሪብና ኻብ ፍቕሩ ኽንጥቀምን ብግዴና ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርእን የኽእለና እዩ።—1 ዮሃ. 4:10

3, 4. ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ኣሎና፧

3 ፍቕሪ ዓብላሊት ባህርይ የሆዋ እያ፣ ስለዚ ኸኣ የሱስ ንሓደ ሓታቲ ብዛዕባ ናይ መጀመርታ ሕጊ ኣምላኽ ኪነግሮ ኸሎ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን  ኣፍቅሮ” በሎ። (ማር. 12:30) ካብ ቃላት የሱስ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ቅድሚ ዅሉ ንልብና ኸም እተጠቓልል ንመሃር ኢና። ፍርቂ ዝልቡ ምዃን ንየሆዋ ኣየሐጕሶን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንምሉእ ነፍስናን ኣእምሮናን ሓይልናን እውን ከም እተጠቓልል ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ ብልብና ዚስምዓና ነገር ጥራይ ኣይኰነን። ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ልባዊ ኽትከውን ኣለዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ መንፈሳውን ስጋውን ክእለትና እውን ዚሓቍፍ ኪኸውን ኣለዎ። ከምቲ ነብዪ ሚክያስ ዝበሎ፡ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እዚ እዩ።—ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።

4 ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ብዘይ ገደብ ከነፍቅሮ ኣሎና። ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ፡ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ክእለትና ዝሓቘፈ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ የሆዋ ንደቁ ዓብዪ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኣርባዕተ መገዲ ርኢና ኔርና። ሕጂ ድማ፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንሱ ብዚቕበሎን ብዚፈትዎን መገዲ ብኸመይ ከነርእን ከነዕምቝን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ንመሰናድዎታት የሆዋ ኣማስወሉ

5. ንዅሉ እቲ የሆዋ ንዓና ዝገበረልና ነገራት ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ምላሽ ክንህበሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ህያብ እንተ ተዋሂቡካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ብገለ መገዲ ሞሳኻ ኸም እተርኢ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ህያብ ኣቕሊልካ ብዘይምርኣይ ክትጥቀመሉ ትጽዕር ትኸውን። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡ ካብቲ ኸም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 1:17) የሆዋ፡ ብህይወት ክንነብርን ሕጉሳት ክንከውንን ዜኽእለና ነገራት ብቐጻሊ ይህበና እዩ። እዝስ ንሕና እውን ከነፍቅሮ ኣይድርኸናንዶ፧

6. እስራኤላውያን፡ በረኸት የሆዋ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ነይርዎም፧

6 እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ንኣማእታት ዓመታት ይነብሩ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ብስጋውን ብመንፈሳውን መገድታት ኣብዚሑ ባሪኽዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 4:7, 8) በረኸቱ ብቐጻሊ ኺረኽቡ ግና፡ ነቲ ‘ቐዳማይ በዅሪ ፍረ ምድሪ’ ኣዘውቲርካ ንየሆዋ ምስዋእ ዜጠቓልል ሕጉ ኺእዘዙ ነበሮም። (ዘጸ. 23:19) በዚ ኸምዚ ድማ፡ እስራኤላውያን ንፍቕርን በረኸትን የሆዋ ዕሽሽ ከም ዘይበልዎ ኼርእዩ ይኽእሉ ነበሩ።ዘዳግም 8:7-11 ኣንብብ።

7. ‘ብጥሪትና’ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ንሕና እውን፡ ቃል ብቓሉ መስዋእቲ ኽንስውእ ዘይንሕተት እኳ እንተ ዀንና፡ ‘ብጥሪትና’ ንኣምላኽ ብምኽባር፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ግቡእ እዩ። (ምሳ. 3:9) ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ኣብ ከባቢናን ኣብ መላእ ዓለምን ንዚግበር ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብስጋዊ ጥሪትና ኽንድግፍ ንኽእል ኢና። እዚ፡ በቲ ዘሎና መጠን ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርእየሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርኢ እንኽእለሉ ካልእ መገድታት እውን ኣሎ።

8, 9. እቲ የሆዋ ኣብ ዝሃቦ ተስፋ ዘሎና እምንቶ ንዕኡ ምስ ዘሎና ፍቕሪ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

8 ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብዛዕባ ምግብን ክዳንን ከይጭነቑ፣ እኳ ደኣስ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኺደልዩ ኸም ዘለዎም ዝሃቦም መዘኻኽሪ እሞ ዘክሮ። ኣቦ ብሓቂ ዜድልዮም ነገር ከም ዚፈልጥ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 6:31-33) ፍቕርን እምንቶን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ዚኸዳ ባህርያት ስለ ዝዀና፡ መጠን እቲ ኣብዚ ተስፋ እዚ ዘሎና እምንቶ ዕምቈት እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። ከመይሲ፡ ንዘይንተኣማመኖ ሰብ ብሓቂ ኸነፍቅሮ ኣይኽእልን ኢና። (መዝ. 143:8) ስለዚ፡ ከምዚ  ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ሸቶታተይን መገዲ ህይወተይን ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዘፍቅሮ ዜርኢ ድዩ፧ በብመዓልቱ ዝገብሮ ነገራት፡ የሆዋ ዜድልየኒ ኼማልኣለይ ምዃኑ ኸም ዝተኣማመን ዜርኢ ድዩ፧’

9 ማይክ ዝስሙ ክርስትያን፡ ከምዚ ዓይነት ፍቕርን እምንቶን እዩ ኣርእዩ። መንእሰይ ከሎ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኣምላኽ ኬገልግሎ ሓያል ባህጊ ኣሕደረ። ተመርዕዩ ኽልተ ቘልዑ ምስ ወለደ እውን፡ ባህጉ ኣይቀሃመን። ማይክን ስድራ ቤቱን በቲ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ብዛዕባ ምግልጋል ዚገልጽ ዓንቀጻትን ጸብጻባትን ተተባቢዖም፡ ናብራኦም ኬቕልሉ ወሰኑ። ቤቶም ሸይጦም ናብ ኣፓርታማ ገዓዙ። ንሱ ድማ ነቲ ምስ ጽሬት ህንጻታት ዚተሓሓዝ ስራሑ ነከዮ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይኑ ኸመይ ገይሩ ብኢንተርነት ኣቢሉ ኼመሓድሮ ኸም ዚኽእል ድማ ተማህረ። ሽዑ፡ እታ ስድራ ቤት ገዓዘት፣ ክልተ ዓመት ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ ኣገልገሉ ድማ፡ ማይክ፡ “እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዘሎ ቓላት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ርኢና ኢና” በለ።

ነታ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብካያ ሓቂ ኣብ ልብኻ ኣሕድራ

10. ኣብ ንጉስ ዳዊት ከም እተራእየ፡ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዚምልከት ሓቂ ምስትንታንና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

10 ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ ንጉስ ዳዊት በቲ ኣብ ዚርአ ሰማያት ዝረኣዮ ተደሪኹ፡ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ጸሓፈ። በቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዞ ጥበብ ተተንኪፉ ድማ፡ “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ” በለ። ብሞሳ ምስትንታኑ እንታይ ፍረ ነበሮ፧ ዳዊት ቀጺሉ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሔይን መድሓንየይን፡ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” በለ። ኣብ መንጎ ዳዊትን ኣምላኽን ልባውን ጥብቅን ርክብ ከም ዝዓምበበ ንጹር እዩ።—መዝ. 19:1, 7, 14

11. እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ንሱ ሎሚ ሂቡና ዘሎ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍልጠት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እንታይ ክንገብሮ ክትድርኸና ኣለዋ፧ (ኣብ ገጽ 23 ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ሎሚ፡ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገድን ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘሎና፡ ተባሪኽና ኢና። ዓለም፡ ዝለዓለን ብሉጽን ትምህርቲ ኽንመሃር ተተባብዕ እያ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምስዓብ፡ እምነትን ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ከም ዜጥፍእ ብተመክሮ ተራእዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ፍልጠት ክንፈቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥበብን ኣእምሮን ከነጥሪ እውን የተባብዓና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ምእንቲ ኽንጠቅም፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ፍልጠት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ምምሃር ማለት እዩ። (ምሳ. 4:5-7) ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።” (1 ጢሞ. 2:4) ብምሉእ ልብና ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ብምንጋርን ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዓብዪ ዕላማ ኺርድኡ ብምሕጋዝን እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 66:16, 17 ኣንብብ።

12. ሓንቲ መንእሰይ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚርከብ መንፈሳዊ መሰናድዎ ሞሳኣ ዝገለጸት ብኸመይ እያ፧

12 ቈልዑ እውን ነቲ መንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ኣመስገንቲ ብምዃን ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። ሻነን እትብሃል ሓብቲ፡ ጓል 11 ዓመት ከላ፡ ንሳን እታ ጓል 10 ዓመት ዝነበረት ሓብታን ምስ ወለደን ኣብቲ “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ኸም እተኻፈላ ተዘንቱ። ኣብ ሓደ ኻብቲ መደባት፡ ቈልዑ ኣብ ፍሉይ ቦታ ኾፍ ኪብሉ ተሓተቱ። ፈሪሃ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብኡ ኾፍ በለት። ኵሎም ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ ጽብቕቲ መጽሓፍ ከም ህያብ ምስ ተቐበሉ ኸኣ፡ ኣዝያ  ተሓጐሰት። እዚ ነቲ ሻነን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበራ ስምዒት ብኸመይ ተንኪፍዎ፧ ንሳ፡ “የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑን ብብሕቲ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረንን ምሉእ ብምሉእ እተረዳእኩ ሽዑ እዩ” በለት። ሻነን ወሲኻ፡ “እቲ ዓብዪ ኣምላኽና የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕን ፍጹምን ህያባት ብናጻ ዚህበና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕሳት ኢና!” በለት።

ምኽርን ተግሳጽን ኣምላኽ ተቐበል

13, 14. እቲ ንምኽሪ የሆዋ ዘሎና ኣረኣእያ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ” ኢሉ የዘኻኽረና እዩ። (ምሳ. 3:12) ይኹን እምበር፡ እንታይ ምላሽ ክንህብ ኣሎና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ የጋንን ኣይኰነን ነይሩ። ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ተግሳጽ ንዘለዎ ኣገዳስነት ወይ ዋጋ ኣትሒቱ ኣይኰነን ዚርኢ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ቀጺሉ፡ “ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (እብ. 12:11) ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንምኽሩ ዕሽሽ ከይንብሎ ወይ ብእኡ ኸይንቕየም ክንጥንቀቕ ኣሎና። እዚ ንገሊኦም ብሓቂ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ግና ብዙሕ ክትሕግዘና ትኽእል እያ።

14 ብግዜ ሚልክያስ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ንምኽሪ የሆዋ ሞሳ ኣይነበሮምን። ነቲ ንመስዋእቲ ዚምልከት ሕጊ ዚፈልጥዎ ኽነሶም፡ ብዜሕፍር መገዲ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ፡ የሆዋ ተሪር ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (ሚልክያስ 1:12, 13 ኣንብብ።) እቲ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኸቢድ ነይሩ፧ ነቲ የሆዋ ዝበሎም እሞ ስምዓዮ፦ “መርገም ክሰደልኩም፡ ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም [ንትእዛዛተይ] ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፡ ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም።” (ሚል. 2:1, 2) ብልማድ ወይ ኰነ ኢልካ ነቲ ፍቕራዊ ምኽሪ የሆዋ ዕሽሽ ምባል ከቢድ ሳዕቤን ኪህልዎ ከም ዚኽእል ንጹር እዩ።

መለክዒታት ዓለም ዘይኰነስ፡ ምኽሪ ኣምላኽ ስዓብ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ኣብ ዓለም ዘሎ ኽንርሕቆ ዚግብኣና ልሙድ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

15 ኣብዚ ጥቕሚ ርእሶም ብዜቐድሙ ሰባት  ዝመለአ ሎሚ ዘሎ ወለዶ፡ ይትረፍዶ ምኽሪ ምቕባል፡ ብዛዕባ ምኽርን ተግሳጽን ምዝራብ እውን ቀሊል ኣይኰነን። እቶም ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ዚቕበሉ ዚመስሉ እውን ብዙሕ ሳዕ ከይፈተዉ እዮም ዚቕበልዎ። ክርስትያናት ግና፡ “በዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣይትቀረጹ” ተባሂሎም ተመኺሮም ኣለዉ። ‘ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ’ ክንርዳእን ክንስዕብን ኢና እንደሊ። (ሮሜ 12:2) የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ህይወት፡—ብዛዕባ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎና ርክብ፡ ብዛዕባ ምሕዝነትና፡ ብዛዕባ መዘናግዒታትና—እዋናዊ ምኽሪ ይህበና እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ መማሰውቲ ኸም ዝዀንናን ንየሆዋ ኻብ ልብና ኸም እነፍቅሮን ነርኢ።—ዮሃ. 14:31፣ ሮሜ 6:17

ኬዕቍበካን ኬድሕነካን ኣብ የሆዋ ተወከል

16, 17. (ሀ) ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እስራኤላውያን ንየሆዋ ኸም ዘየፍቅርዎን ከም ዘይተኣማመንዎን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

16 ቈልዑ ሓደጋ ኸም ዘሎ ምስ ተገንዘቡ፡ ብባህረት ናብ ወለዶም እዮም ዚጐይዩ። ኪዓብዩ ኸለዉ ድማ፡ ብዝያዳ ኣብ ናይ ርእሶም ውሳነታት ኪውከሉን ባዕሎም ኪውስኑን ይጅምሩ። እዚ ሓደ ኽፋል ብጽሕና እዩ። እቶም ምስ ወለዶም ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ግና፡ ሓሳብ ወለዶም ኪሰምዑን ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም ኬማኽርዎምን እዮም ዚደልዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ከምኡ እዩ። ‘ድሌትን ንምግባር ዓቕምን’ ምእንቲ ኺህልወና፡ የሆዋ መንፈሱ ሂቡና እዩ። ፍቓዱ ኣብ ግምት ከየእተና ውሳነታት ንገብር እንተ ዄንና ግና፡ ከም ዘይነፍቅሮን ከም ዘይንተኣማመኖን ኢና እነርኢ።—ፊል. 2:13

17 ብግዜ ሳሙኤል፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝገበርዎ ውግእ ከቢድ ስዕረት ተሳዒሮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ደገፍን ዕቝባን የድልዮም ነይሩ። እሞኸ እንታይ ገበሩ፧ “ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኼድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ” በሉ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ “ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ። ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸ።” (1 ሳሙ. 4:2-4, 10, 11) እስራኤላውያን ነቲ ታቦት ምስኦም ብምውሳዶም፡ ደገፍ የሆዋ ዝደለዩ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መምርሒ የሆዋ ኣይኰኑን ዚደልዩ ነይሮም፣ ናይ ርእሶም ሓሳባት ይስዕቡ ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ከቢድ ጕድኣት ኣጋጠሞም።—ምሳሌ 14:12 ኣንብብ።

18. ሓገዝ የሆዋ ብዛዕባ ምድላይ ከመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

18 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ነፍሰየ፡ . . . ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ዎ ኣምላኸይ፡ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፡ ስለዚ ኸኣ . . . እዝክረካ አሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ ቅኑዕ ዝንባለ ልቢ ኣርእዩ እዩ። (መዝ. 42:5, 6) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንየሆዋ ዘለዎ ዓሚቝ ስምዒትን ፍቕርን ዜርኢ! ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕርን እምነትን ኣማዕቢልካ ዲኻ፧ ዋላ እውን እወ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ምስቲ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ፡ ብዝያዳ ኣብኡ ኽትውከል ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 3:5, 6

19. በየናይ መገድታት ኢኻ ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮ ኸተርኢ እትጽዕር፧

19 የሆዋ ኣቐዲሙ ንዓና ብምፍቃሩ፡ ብኸመይ ከነፍቅሮ ኸም እንኽእል ኣርእዩና እዩ። ነቲ ብሉጽ ኣብነቱ ወትሩ ኣይንረስዓዮ። ‘ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ኣእምሮናን ብምሉእ ሓይልናን’ ከም እነፍቅሮ ድማ ነርኢ።—ማር. 12:30